ብ 30 ጥሪ ናይ 2022: ኣብ ስደት ዝነብሩ ኤርትራውያን ሰብ ሞያ ጥዕና ብዛዕባ ምምቕራሕ ክታበት ኮቪድ-19 ንኤርትራ ዝምልከት ናብ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ከምዝነበሩ ይዝከር። ወግዓዊ መልሲ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ከኣ ከምዚ ይመስል፥
……ጥሪ 31፡ 2022 ንዝጸሓፍኩሞ ደብዳቤ ብምውካስ፡ ኣቐዲመ ናይ covid-19 ክታበት ብመንገዲ covax መሳለጢ ንኹሎም ዝግበኦም ብማዕረ ክማቓራሕ ንምጥባቕ ዝወሰድኩሞ ተበግሶ አመስግን።
ኣብ ደብዳቤኹም ከምዝኣመትኩሞ፡ መንግስቲ ኤርትራ ብመንገዲ covax ዝቐረበ ናይ ክታበት ኮታ ክጥቀመሉ ድልውነት ኣየርኣየን። ንክሓትት ገና ትጽቢት ይግበረሉ። እቲ ዝወሃብ ክታበት ብናይ ሃገራት ጠለብ ስለዝድረኽ፡ ንኤርትራ ዝተሰለዐ ዓቐን ክታበt ዛጊት የለን። ብተወሳኺ፡ ኣነ ባዕለይ ብቐጥታ ንፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ፡ ነቲ ዓለምለኻዊ ናይ ክታበት ጻዕሪ ክጽንበሮ ዕድመ ኣቕሪበሉ ገና መልሲ ኣይረኸብኩን።
ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ንናይ ኩለን ኣብ covax ፕሮግራም ዝሳተፋ ሃገራት፡ ኤርትራ’ዉን እንድሕር ሓቲታ፡ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጠለባት ከማልእ ዝኽእል እኹል ቀረብ ናይ covid-19 ክታበት ከምዘሎ ክሕብረኩም እንከለኹ ባህታ ይስማዓኒ። ናይ covax መሳለጢ፡ ነተን ዘገልግለን ሃገራት ንነዊሕ ዝጠመተ ናይ ቀረብን ምምቕራሕን ዓቕሚ ኣለዎ፡ እዚ ድማ ሃገራት ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ነቶም በዚ ሕማም ክቃልዑ ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ዝርከቡ ተኣፈፍቲ ዜጋታተን ክታበት ንምውሓስ ዘተኣማምን ውጽኢታዊ ወፈራ ከካይዳ የኽእለን።
ከም ውጽኢት ናይዚ ከኣ፡ ምስ ናይ covax መሻርኽትና ብምትሕብባር፡ ኵለን ጠለብ ዘቕረባ ሃገራት ንህዝበን ቀረብ ናይ ክታበት ንከውሕሳ ዝሕግዘን ዝምድና ኣብ ምድልዳን ተጊህና። ኣብ ርእሲ’ዚ ሕጋዊ ፍቓድ ይሃልዎም ኣይሃልዎም ብዘየገድስ፡ ንዅሎም እቶም በዚ ሓማም ንኽቃልዑ ተኣፈፍቲ ዝኾኑ ሰባት ኣብቲ ናይ covid-19 ክታበት መደብ ከሳትፈኦም ግዴታ ከምዘለወን ንሃገራት በቐጻሊ ነዘኻኽረን ኢና። ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ፡ covax ንናይ covax ተሳተፍቲን ናይ ግብረ – ሰናይ ትካላትን፡ ተወሳኺ ዓቐን ክታበት ንምርካብ ከመልክቱሉ ዝኽእሎም ባይታ ኣውሒሱ እዩ።
ከምቲ እናሻዕ ዝደጋግሞ፡ ናይ ኩሉ ሰብ ድሕነት ካብዚ ለብዒ’ዚ ክሳብ ዘይተረጋገጸ፣ ናይ ማንም ሰብ ድሕንነት ቀጻልነት ክህልዎ ኣይኮነን። ከየባተኽኩም ምጥባቕኩም ዘተባብዕ እዩ፡ ነቶም ኣብ ኩሉ ቦታ ዘለዉ እነገልግሎም ህዝቢ ዘርብሕ ድማ እዩ።
ምስ ልባዊ ሰላምታ፡
ዳይረክተር ጀነራል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና (ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም)