ህዝባዊ ተቛዉሞ ሱዳን ድሕሪ ምልዓል ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽለሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ብ 6 ሰነ ኣብ ከባቢታት እምዱርማን ኣብ ዝነበረ ናዕቢ ሓደ ሰልፈኛ ብጥይት ኣባላት ጸጥታ ከምእተቐትለ ተሓቢሩ።
እዋናዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ን7 ኣዋርሕ ጸኒዑ ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ካብ ዘልዕሎ ድሮ ክልተ ሰልፈኛታት ተቐቲሎም ከምዘለዉ ዝሕብር ማእከላይ ኮሚተ ሓካይም ሱዳን፣ ካብ ጥቅምቲ 2021 ጀሚሩ ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ተቛዉሞ ብኣባላት ጸጥታ ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ቊጽሪ ናብ 100 ተጻጊዑ ምህላዉ ኣረዲኡ።
ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃን ፣ ቅድሚ 7 ኣዋርሕ ዳግም ንዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ስዒቡ ክብእስ ዝጸንሐ ጸጥታዊ ቅልዉላዉ ሃገሩ ንምፍታሕ ናብ ዘኽእል ጎደና ከብል ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናይ’ዚ ዓመት መብጽዓ ድሕሪ ምእታዉ፣ ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ንኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ከምዘልዓለን ንሓያለ ፖለቲካዉያን እሱራት ከምዝፈትሐን ይሕበር።
ኣንተኾነ፡ ዝበዝሓ ፖለቲካዉያን ሓይልታት’ታ ሃገር ነቶም እቲ ወተሃደራዊ መራሒ ዘርእዮም ዘሎ ምምሕያሻት ብምሉእ እምነት ይቕበልኦ ብዘይምህላወን፣ ክሳብ ናብ ሲቪላዊ ስርዓት ዘኽይድ ተግባራዊ ተበግሶ ዘይተራእየ ፡ ህዝቢ ተቛውሞኡ ኪቕጽል ይጉስግሳ ከምዘለዋ ይንገር።
ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ምዕላዉ ንዝቘመ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስ ሲቪላዉያን ሰብስልጣን ኮይኑ ኪመርሕ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ወገን፡ ብ 25 ጥቅምቲ ናይ 2021 ዳግማይ ዕልዋ ምክያዱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ወገን ዝዉክል ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃን ስልጣን ንምብሓት ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ኪዉቀስ ጸኒሑ።
ድሕሪ እቲ ዳግማይ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ሱዳናዉያን ናብ ጎደናታት ብምውጻእ በቲ ዕልዋ ተኾሊፉ ዘሎ ደሞክራስያዊ ስግግር ኽትግበርን ፡ ነቲ ዕልዋ ዝመርሑ ወገናት ናብ ፍርዲ ኪቐርቡን ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዉዒት ገና ዘይምህዳኡ፣ ወተሃደራዊ መሪሕነት እታ ሃገር ዘተግብሮም ዘሎ ምምሕያሻት ከይዕንቀጹ ስግኣት ሓያለ ወገናት ኣሎ።