ናብ ትግራይ ዘምርሕ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ስሩዕነት ወኒኑ ምህላዉ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ሞጊሱ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ብ7 ሰነ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እኹል ዝመስል ዓቐን ረዲኤት ጽዒነን ናብ ትግራይ ዘምርሓ ናይ ዘለዋ መኻይን ቊጽሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይዛይድ ከምዘሎ ጠቒሱ፡ እዚ ኣብ ምዝላቕ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ሰሪቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ልዑል ተራ ክህልዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲን ዝጸንሐ ዘይምትእምማን ክመሓየሽ ገይሩ ናብ ጎደና ሰላም ኪኽየድ ዝድርኽ ከምዝኸዉን ኣስሚርሉ ኣሎ።

ኣብ ዉሽጢ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ልዕሊ ሓደ ሽሕ መግቢን መሰረታዊ መሳለጥያታትን ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምእታወን ዝጸብጸበ እቲ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብ-መዚ ክልላት ዓፋርን ትግራይን ንዘርእይዎ ዘለዉ ዉህደት ኣድኒቑ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግዝያዊ ሰብኣዊ ምቚራጽ ተጻብኦ ድሕሪ ምእዋጁ ካብ ክልል ዓፋር ናብ ትግራይ ኪሰግር ዝጸንሐ ረዲኤት ኣዝዩ ንኡስን፡ ንህዝቢ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተናዉሐ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ንምንብርካኽ ዝዓለመ ጌርካ ይስረሓሉን ከምዘሎ እዮም መራሕቲ ትግራይ ብቐጻሊ ኪኸሱ ጸኒሖም።

ሓይልታት ክልል ትግራይ ነቲ ናብ ክልሎም ዝኣቱ ረዲኤት ኣብ ዉልቃዊ ጥቕሞም ብምዉዓል መመወሊ ግዱድ ዕስክርና ይገብርዎን ፡ ብመንገዲ ሃብታማት ነጋዶ ይሸጥዎን ከምዘለዉ ዝኽስስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ነቲ ናብ ትግራይ ዝኸይድ ረዲኤት ንኽቈጻጸሮን ንኽቚጥቦን ይግደድ ምህላዉ እዩ ዘመኽኒ።

ምስ’ቲ ናብ ትግራይ ዘምርሕ ዘሎ ሰብኣዊ ረድኤት፣ ዉጉዝ ንብረትን ልዕሊ ዓቐን ነዳዲን ክጸዓን ይርአ ብምህላዉ፣ ተርሪ ምቊጽጻር ኽግበር ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝሓለፈ ሰሙን ምትሕስሳቡ ኣይርሳዕን።

ሓይልታት ትግራይ እዉን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ንከባቢ 20 ኣዋርሕ ኣዊጅዎ ዘሎ ዕጽዋ ከየዝለቐ ብቚንጣሮ ረድኤት የዳኽመና ኣሎ ብምባል ፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ብእኹል ዓቕን እንተዘይኣትዩን ዝቕጽል ዘሎ ዕጽዋ ኣንተዘይዘሊቚን ወተሃደራዊ ኣማራጺ ሃሰዉ ክብሉ ምዃኖም ካብ ምጥንቃቕ ኣየዕረፉን።

ካብ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝድለ ሰብኣዊ ሓገዝ ዛጊት 15 ሚእታዊት ጥራይ ተባጺሑ ከምዘሎ እዩም ሰብ መዚ ክልል ትግራይ ዝወቕሱ።