ፍሉይ ተኸታታሊ ኣካል ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ናይ ሓደ ዓመት ጸብጻቡ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪቡ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
እቲ ፡ ኣብ ኤርትራ ዝምዝገብ ግህሰት ኩሉዓይነታዊ ሰብኣዊ መሰላት ብዘይ ዝኾነ ምምሕያሽ ይቕጽል ከምዘሎ ዝዘርዘረ ጸብጻብ ፣ ኣብ’ቲ ካብ 13 ሰነ ክሳብ 8 ሓምለ ዝቃናዕ መበል 50 ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ንትዕዝብትን ግምገማን ክፉት ኪኸዉን እዩ።
እቲ እዋናዊ ጸብጻብ፣ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምቕናዕ ስርዓተ-ሕጊን ኣዉሓስቱ ዝኾና ትካላትን ፣ ኣብ ምትዕርራይ ገደብ-ግዜ ሃገራዊ/ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ፣ ኣብ ምምሕያሽ ነጻነታት እምነት፡ ምትእኽኻብ፡ ሓስባካ ምግላጽን ፕረስን ፣ ኣብ ምግታእ ሃይማኖታዊን ቀቢላዊን ተነጽሎታት፣ ኣብ ምግታእን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ መጭወይቲን መስወርቲን፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ምሕያል ዝምድናታት ምስ ኣህጉራዉያንን ዞባዉያንን ኣካላት ሰብኣዊ መሰላት ዘመሓየሾ ነገር ከምዘየለ እዩ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጽብ ብዘይፍለ ሓቢሩ ዘሎ።
እቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ኣካል ናብ ኤርትራ ኣትዩ ንህሉው ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት እታ ሃገር ኪፍትሽ ብቐጻሊ ዘቕርቦ ጠለብ ዛጊት ከምዘይሰለጦ ብምዝኽካር፣ ናብ ኤርትራ ኪበጽሕ ኪፍቀደሉ ብመንገዲ ማሕበረሰብ ዓለም ዝግበሩ ጻዕርታት ክዛይዱ ደጊሙ ጸዊዑ ኣሎ።
ህግደፍ ፣ ዓመታዊ ንዝቐርቡ ጸብጻባት እቲ ተኸታታሊ ኣካል ፣ ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓቅታት ዘንጸባርቚ ኣይኮኑን ካብ ምባል ሓሊፉ ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ምምሕያሽ የመዝግብ ከምዘሎ ዘረጋግጹ ኣብነታት ከቕርብን ኣይረአን።
ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኻልኣይ እብረ ኣባልነት ሒዛ ንዘላ ኤርትራ ዝመርሕ ህግደፍ ፣ በቲ ባይቶ ንዝተመዘዘ ፍሉይ ኣካል ናብ ሃገር ኣትዩ ኸይምርምር ከልኪሉ ከይኣክል፣ ኣብ ልዕሊ ዘይደሞክራስያዉያን ስርዓታት ዝተፈላለያ ሃገራት በቲ ባይቶ ንዝዉሰኑ ዉሳኔታት ኣብ ምቅዋም እዉን ብመሪሕነት ይነጥፍ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞም ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝነበሮ ይቕጽል ምህላዉ፣ ከም ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ኮሚተ ንድሐት ጋዜጠኛታትን ጋዜጠኛታት ብዘይዶብን ዝኣመሰሉ ኣህጉራዉያን ተሓለቕቲ ዓመታዊ ኣብ ዘካፍልዎም ጸብጻባት ምስ ሓበሩ እዮም።
ሓያለ ኤርትራዉያን ሲቪካዉያን ማሕበራት ዝርከብአን 42 ተሓለቕቲ ትካላት ናብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሰደድኦ ክቱም ደብዳቤ፣ እቲ ባይቶ ንመዝነት ፍሉይ ተኸታታሊ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ከናዉሕ ጠሊበን ምህላወን እዉን ኣይርሳዕን።