ኣሰቃቒ መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጉጅለ ህግደፍ ብርእዮ እተቃልዕ፡ ‘ጽኣት ኤርትራ’ (Escaping Eritrea) ብዝብል ኣርእስቲ ብኣመሪካዊ ማዕከን ሓበሬታ ፒቢኤስ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ 2021 ዝተዘርግሐት ሰነዳዊት ፊልም ንሽልማት Peabody Awards በቒዓ ።
እታ ሰንዳዊት ፊልም፡ ነቲ ብመንገዲታት ተለቪዥንን ካልኦት ዲጂታላዊ መናጽፍ ሓበሬታን ኣገደስቲ ትሕዝቶታት ኣብ ምስናድ ንዝነጥፉ ትካላትን ዉልቀሰባትን ዝወሃብ ልዑል ኣፍልጦ ምብቃዓ፣ ንኹሎም ኣብ ምስናድ እታ ፊልም ዝጸዓቱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሕሰም ንዘሕልፍ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጸገማቱ ኣፍልጦ ኪረክብ ዝድርክ’ዉን ስለዝኾነ ዓብዪ ዓወት እዩ።
እታ ሰነዳዊት ፊልም፣ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ህግደፍ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዱ ዝገጥሞ ኣካላዊ ምዝመዛ፡ ማእሰርቲ፡ መጭወይቲን መቕተልቲን በቲ ሓደ፣ ካብ’ቲ ሕሰም እቲ ንምህዳም ዝሕለፍ መስገደል ስደት ድማ በቲ ኻልእ ዘጋልጽ ስእላዊን ምስክርነታዊን ትሕዝቶታት ሰኒዳ ዝተዘርግሐት እያ።
ፒቢኤስ ንሰነዳዊት ፊልም ‘ጽኣት ኤርትራ’፡ ኣብ’ቲ ካብ ፍሉጣትን ዓለማዊ ሸፈነ ዘለዎን መደባቱ ሓደ ዝኾነ ብፍሮንት-ላይን ዝጽዋዕ ዕሉል መደብ ዝዘርገሓ ኾይኑ፡ ክሳዕ መዳጎኒ ማእከላትን ኽሉላት ከባቢታትን ኤርትራ ኪኣትዉ ብዝደፈሩ ዜጋታት ተንቀሳቀስቲ ስእልታት ኽስንድን ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ዝተሰዱ ወገናትና ምስክክርነት ከዋህልልን ንከባቢ ሓሙሽተ ዓመታት እዩ ሰሪሑ።
እታ ሰነዳዊት ኣብ ዝተዘርገሓትሉ ግዜያት፣ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ገጻት ማሕበራዊ መራኸቢ ንምሕካኻ ብናይ ግዳም መሓዉራቱ ጽዑቕ ዘመተ ከካይድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ን ፒቢኤስ ኪኸስስን ከጸልምን ከምዝተራእየ እዉን ኣይርሳዕን።።
ተለቪዥን ኤሪሳት ንርዝነትን መጻኢ ጽልዋን እዛ ሰነዳዊት ፊልም ብምግንዛብ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ 2021 ብትግርኛ ተርጒማ ናብ ህዝቢ ኣቕሪባቶ ምንባራ ይፍለጥ። ምሉእ ትሕዝቶ እታ ሰነዳዊት ፊልም ብትግርኛ ንምዕዛብ ኣብ’ዚ ሓረግ ጠዉቚ፥https://fb.watch/dy2GR9MX_U/