ኢትዮጵያ ናብ ምሉእ ዉድቀት ተምርሕ ምህላዋ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ሓቢሮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብዚ ግዜ እዚ ቀንዲ ግዳይ ናይ’ቲ ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ዝተኣትወ ሽርክነት ኮይኑ ከምዘሎ ዘረድኡ እቶም ምንጭታት፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ኣየናይ ኢትዮጵያዊ ወገን ጸግዒ ሒዙ ናይ መን ኪሓድግ ኣብ ዝብል ግድል፡ ዓቕሊ ኣጽቢቡ ከምዘሎ የረድኡ።

ንሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣኽቲቱ ምስ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ዝኣተወ ኣቢይ ኣሕመድ ፣ ዝተለሞ ገዚፍ ፖለቲካዊ ጽልዋን ዕብለላን ከይሰመረ ብመራሒ ጉጅለ ህግደፍ ተቐዲሙ፡ ተኣማንነትን ተገዛእነትን ክልላት ኣምሓራን ዓፋራን ከሲሩ ምህላዉ እዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘመልክት።

ህግደፍ ነቲ ንህወሓት ከዳቕቕ ኢሉ ዝተጸንበሮ ኲናት ሕድሕድ ስዒቦም ክቀላቐሉ ዝኽእሉ ሓደስቲ ስግኣታት ንምብዳህ ፡ ንሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ካብ ተማኣዛዝነት ፈደራላዊ መንግስቲ ዘናግፎም ወተሃደራዊን ቊጠባዊን ደገፍ ክቕርብ ምጽንሑ ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት፣ ቀጻልነቱ ኣብ ሓደጋ ይኣቱ ምህላዉ ዝተገንዘበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ – ንዘረባታት ሃገራት ምዕራብ ክሰምዕን ምስ ሓይልታት ትግራይ ከይተረፈ ህዉኽ ምቅርራባት ከባዝሕን ይርአ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።

ኣብ ከቢድ ናይ ድሕረ-ኲናት ፖለቲካዊ ነዉጺ ተሸሚሙ ዝርከብ ኣቢይ ኣሕመድ፣ ካብ’ቲ ብዙሕ ግዜ ክሒዱና’ዩ ዝብል ርድኢት ወኒኑ ዘሎ ህዝቢ ኦሮሞ ክድብሶ ደልዩ ዘሎ ተቀባልነት እዉን ይዕወት ከምዘየለ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝገዘፈ ጽልዋ ዘለወን ክልላት ኣብ ከምዚ ዝበለ ምርሕሓቕ በጺሐን ምስ ዘዝመረጽኦ ዉሽጣዊ ይዂን ግዳማዊ ወገን ክሽርኻ ምርኣይ ፣ ተሰማዕነትን ኣገዳስነትን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ኣብ ሓደጋ ወዲቚ እታ ሃገር ናብ ዉድቀት ተምርሕ ምህላዋ ዘመላኽት ምዃኑ ኣስሚሮምሉ ኣለዉ።

እቶም ምንጭታት ኣብ መወዳእታ፡ ምስ ህግደፍ ዝምስረት ዝኾነ ይኹን ሽርክነት መለሳኡ እንታይ ከምዝመስል ፡ ካብ’ዚ ሕጂ ኢትዮጵያ ኣትያቶ ዘላ ሕንፍሽፍሽ ንምርዳእ ዘገጽም ከምዘይኮነ ኣረዲኦም።