ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተታሒዞም ዝምለሱ ስደተኛታት ኣብ ዝዳጎኑለን ማእከላት ዘሎ ኩነታት ልዕሊ ካልእ እዋን ብኢሱ ከምዘሎ፡ ኣብ ከተማ ትሪፖሊ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ዘመሓላለፉልና ሓበሬታ ኣተሓሳሲቦም። እቶም ኤርትራዉያን ነዚ ዝገለጹ ፣ ደሃይ ናይ ገለ ካብቶም ካብ ጉዕዞ ባሕሪ ተመሊሶም ናብተን ማእከላት ዝተወስዱ ኣሕዋቶም ገና ይሰኣን ከምዘሎ ድሕሪ ምርግጋጾም እዩ።
ካብ ገማግም ሊብያ ምስ ተበገሱ ፡ ብሓለዋ ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር ተታሖዝም ናብ መዳጎኒ ማእከላት ተመሊሶም ናይ ዝበሃሉ ገለ ኤርትራዉያን ደሃይ ክሳብ ሕጂ ከምዘይረኸቡ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ እቲ ተርእዮ ልሙድ እንዳኾነ ይኸይድ ምህላዉ ኣረዲኦም።
ጠንቂ ምጥፋእ ደሃይ’ቶም ስደተኛታት ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይተኻእለ ፡ ነጋዶ ደቂ-ሰብ ነተን መዳጎኒ ማእከላት ከም ምንጪ ሓደስቲ ሰጋሮ ስደተኛታት ይጥምትወን ብምህላዎም ኪኸዉን ከምዝኽእል’ዩም እቶም ኤርትራዉያን ዝሕብሩ።
ልዕሊ 12 ሽሕ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ኣብ 27 ኣብያተ ማእሰርቲን መዳጎኒ ማእከላትን ሊብያ ይሳቐዩ ከምዘለዉ፣ ኣሽሓት ካልኦት እዉን ብዕጡቓት ጉጅለታት እታ ሃገር ኣብ ዝዉነና ምስጢራዉያን ማእከላት ተመሳሳሊ ጸገም የሕልፉ ምህላዎም ፡ ሕቡራት ሃገራት ብተደጋጋሚ ኽገልጽ ተሰሚዑ እዩ።
ኣሃዱ ፖለቲካዊ ተልእኾ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ (UNSMIL) ፡ ኣብ’ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝካየድ ማእሰርቲ፡ ድጎና፡ ከምኡ’ዉን ኣካላዊን ጾታዊን በደል ቀጻሊ ይዕዘብ ከምዘሎ ፣ ብፍላይ ኣብ’ተን ብመንግስቲን ዕጡቓት ጉጅለታትን ዝመሓደራ መዳጎኒ ማእከላት ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ቀይዱ በቲኹ ምህላዉ’ዩ ዝኸስስ።
ኣስማት ናይ ኣሽሓት ስደተኛታት ፡ ኣብ’ቲ ብኣመሓደርቲን ኣካየድቲን እተን መዳጎኒ ማእከላት ዝዝርጋሕ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ከምዘይምዝገብ ዝወቅስ ሕቡራት ሃገራት፡ ከምሳዕቤኑ ሓያለ ስደተኛታት ንመሰሎምን ድሕነቶምን ዘረጋግጽሉ ባይታ ተሓሪምዎም ይጭወዩን ደሃዮም ይሰኣንን ምህላዉ እዩ ዝሕብር።
ብዙሓት ስደተኛታት ብኣካየድቲን ኣባላት ሓለዋን እተን መዳጎኒ ማኣከላት እንዳተጨወዩ ንነጋዶ ደቂ-ሰብ ከምዝሽየጡ እዉን፡ ዝተፈላለያ ንመሰልን ድሕነትን ስደተኛታት ዝሕለቓ ትካላት ብቐጻሊ ክጽብጽባ ጸኒሐን እየን።
ኣብ ሊብያ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተመዝገቡ ልዕሊ 400,000 ሓተቲ ዑቕባን ዑቕበኛታትን ከምዘለዉ ዝሕብር ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት IOM፡ ኣብ’ታ ሃገር ብጠቕላል ክሳብ 600,000 ዝኾኑ ስደተኛታት ክህልው ከምዝኽእሉ እዩ ዝገልጽ ።