ኣብ ኤርትራ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ጉጅለ ፡ ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዝዉሕዶ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፍጽም ምህላዉ ዓለምለኻዊ ስምረት ክርስትያን (Christian Solidarity Worldwide-) ዝተባህለ ንነጻነታት እምነት ዝሕለቕ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ።
እቲ ትካል ኣብ ሓበሬታኡ፡ ህግደፍ “ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት’ዩ” ክትብሎ ዘየሰክፍ ኩሉዓይነታዊ ግህሰት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ይፍጽም ከምዘሎ ጠቒሱ፣ እቲ ሕሱም ኣካይዳ ብዘይዝኾነ ምምሕያሽ ይቕጽል ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ኤርትራ ብሰሪ ሃይማኖታዊን ተኸታልነቶም ክሳብ ልዕሊ 17 ዓመታት ዝተኣስሩ ዜጋታት ከምዘለዉ ዘረድአ እቲ ትካል፣ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ዘይብሎም ግፍዕታት ይፍጽም ምህላዉ ገሊጹ ኣሎ።
ኣጻራዪት ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ኣብ 2016 ኣብ ዘጻፈፈቶ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ናብ ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ዝቃረቡ ተርዮታት ማእሰርቲ ፡ መስወርቲን መቕተልቲን ልሙዳት ምዃኖም ምግላጹ ዘዘኻኸረ ዓለምለኻዊ ስምረት ክርስትያን፣ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ዘሳቒ ዘሎ ስርዓት ክሳብ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ጎረባብቲ እንዳተሳተፈ ሓደስቲ ግህሰታት የመዝግብ ምህላዉ ኣጋሊጹ።
ህግደፍ ናብ ሕግን ሰብኣዉነትን ተመሊሱ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ በደል ደዉ ከብል ዝተማሕጸነ እቲ ትካል ኣብ መወዳእታ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምእዳብ እቲ ገሃሲ ስርዓት ተርኡ ካብ ምጽዋት ከይስልኪ ተላብዩ።
ፍሉይ ተኸታታሊ ኣካል ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘካፈሎ ናይ ሓደ ዓመት ጸብጻብ ፡ ኣብ ኤርትራ ዝምዝገብ ግህሰት ኩሉዓይነታዊ ሰብኣዊ መሰላት ብዘይ ዝኾነ ምምሕያሽ ይቕጽል ከምዘሎ ኣስሚርሉ እዩ።
እቲ እዋናዊ ጸብጻብ፣ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምቕናዕ ስርዓተ-ሕጊን ኣዉሓስቱ ዝኾና ትካላትን ፣ ኣብ ምትዕርራይ ገደብ-ግዜ ሃገራዊ/ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ፣ ኣብ ምምሕያሽ ነጻነታት እምነት፡ ምትእኽኻብ፡ ሓስባካ ምግላጽን ፕረስን ፣ ኣብ ምግታእ ሃይማኖታዊን ቀቢላዊን ተነጽሎታት፣ ኣብ ምግታእን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ መጭወይቲን መስወርቲን፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ምሕያል ዝምድናታት ምስ ኣህጉራዉያንን ዞባዉያንን ኣካላት ሰብኣዊ መሰላት ዘመሓየሾ ነገር ከምዘየለ እዩ፡ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጽጹ ብዘይፍለ ሓቢሩ።
ህግደፍ ፡ ዓመታዊ ንዝቐርቡ ጸብጻባት እቲ ተኸታታሊ ኣካል ፡ ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓቅታት ዘንጸባርቚ ኣይኮኑን ካብ ምባል ሓሊፉ ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ምምሕያሽ የመዝግብ ከምዘሎ ዘረጋግጹ ኣብነታት ከቕርብን ኣይረአን።