ንፖሊሲታት ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ኣመልኪቱ ብህግደፍ ዝራብሑ ግጉያት ሓበሬታታት ከይምጒትን፡ እቲ ሓቂ ንህዝቢ ኤርትራ ከየብርህን ዕድል ከምዝተኸልአ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ስቲቨን ዎከር ሓቢሩ። እቲ ኣመሪካዊ፡ ኣብ’ቲ ብ11 ሰነ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝተቓንዐ ቀዳማይ ዋዕላ ኤሪሳት ብማንዛ ኣብ ዘመሓላልፎ ናይ ደገፍ መልእኽትን፡ ዘካየዶ ቃለመሕትትን እዩ ነዚ ኣቃሊዑ።
ብሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብተደጋጋሚ ዝወጽኡ ፡ ንኣመሪካ ከም ደላዪት ክፋእ ኤርትራ ጥራይ ከቚጽሩ ዝዕልሙ ሓበሬታታት ኣብ ምቅላስ ቀጻሊ ይሰርሕ ምህላዉ ዘዘኻኸረ እቲ ኣመሪካዊ ዲፕሎማት ፣ ኣብ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ቀሪቡ ሓቅታት ከብርህ ዘቕረቦም ተኸታተልቲ ጠለባት ብእወታ ከምዘይተመለሱ’ዩ ኣረዲኡ።
ኣመሪካ ከም ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራን ጠንቂ ኩሎም’ቶም ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎም ዘሎ ጸገማትን ኣምሲልካ ንምቕራብ ብመራሕቲ ህግደፍ ክስራሕ ስለዝጸንሐ ፣ ህዝቢ ኤርትራ ንኣመሪካ ዘለዎ ርድኢት ብኣሉታ ከምእተጸልወ ዘዘኻኸረ ስቲቨን ዎከር ፣ ኣመሪካ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢራ ክትሰርሕ ዝዕንቅፍ ዘሎ ህግደፍ ጥራይ ምዃኑ ንህዝቢ ንምርዳእ ዘኽእሉ ኣማራጺታት ሓበሬታ ብዘይምጽንሑ ነቲ ህዝባዊ ርድኢት ንምምሕያሽ ከምዘጸገመ ብምጥቃስ፡ ምህላዉ ከም ኤሪሳት ዝኣመሰላ መሓዉራት ሓበሬታ ሓጋዚ ከምዝኸዉን ኣተንቢሁ።
ኣመሪካ ደጋፊት ህዝቢ ኤርትራ ከይትኸዉንን፡ ማሕበረ-ቊጠባዊ ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምፍታሕ ከይትተሓጋገዝን፡ ህግደፍ ኪኣቢ ምጽንሑ ዘተሓሳሰበ እቲ ዲፕሎማት፣ ቅድሚ 17 ዓመታት ትካላት ረዲኤት ኣመሪካ ካብ ኤርትራ ከምእተሰጓ ብምዝኽካር ፣ ካብ ኣመሪካ ንህዝቢ ኤርትራ ኪበጽሕ ዝድለ ሓገዛት ብህግደፍ ዉጉዝ ብምዃኑ ፣ መንግቲ ኣመሪካ ብመንገዲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ምሕጋዝ ከምዘይተቘጠበ ኣብሪሁ።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝቕጽል ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኪመሓይሽ፣ ብዘይፍርዳዊ መስርሕ ንዓመታት ተሞቒሖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ናይ ፖለቲካን እምነትን እሱራት ጉዳይ ድማ ፍታሕ ኽረክብ ሃገሩ ቀጻሊ ትጽዕር ከምዘላ ዘዘኻኸረ ስቲቨን ዎከር ወሲኹ፣ ኣመሪካ ንኹሎም ናይ ፖለቲካን እምነትን እሱራት ኤርትራ ከምዘይረስዐቶም ኣስሚርሉ ።
ተራ ናይ ቃልሲ ሚድያ ኣብ ምዉሓስ ደሞክራስያዊ ሃዋህዉ ዝህልዎ ልዑል ተራ ብምግንዛብ፡ “መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ተቓለስቲ ፍትሒን ናይ ቃልሲ መሓዉራትን ዜናን ዘለዎ ጠመተ ከመይ ይመስል፧” ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ ግዜ ፣ ኣቶ ስቲቨን – መጻኢ ኤርትራ ብኤርትራዉያን ጥራይ ክፍታሕ ከምዝኽእል እዩ ኣገንዚቡ።
ንተሳፎ ህግደፍ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ’ዉን እቲ ኣመሪካዊ ዲፕሎማት፡ ሃገሩ በቲ ተሳትፎ ክትሻቐልን ንምግታኡ ድማ እገዳታት ከተጽዕቕን ምጽናሓ ብምዝኽካር፣ መራሕቲ ህግደፍ ከም ኩሎም መራሕቲ’ተን ኣብ’ቲ ኲናት ዝራጸማ ዘለዋ ወገናት ተሓታትነት ይጽበዮም ከምዘሎ ኣብሪሁ።