ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዋሕዲን ዕጽዋን ሓበሬታ ፡ ንህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ቀጻሊ ድሕረትን ፍርህን ኪነብር ፈሪዱ ከምዘሎ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣቶ ስቲቨን ዎከር፡ ኣብ’ቲ ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ኤሪስታ ብማንዛ ተረኺቡ ዘመሓላለፎ መልኽእቲ ኣረዲኡ።
ዜጋታት ንዝቀያየር ፖሊሲ መንግስቲ ንኽግምቱ፡ ኣብ ወረን ዘይወግዓዊ ሓበሬታን ኪምርኮሱ ይረኣዩ ኣለዉ ዝበለ እቲ ኣመሪካዊ ዲፕሎማት፣ በዚ ምኽንያት ኣየናይ መምርሒን ትእዛዝን ከምዝኽተሉ ኩሉሳዕ ከምዝደናገሩ፣ ይብድሉ ድዮም ይብደሉ ኪፈልጡ ድማ ኣመና ከምዝጽገሙ ኣብሪሁ።
ኤርትራዉያን ከም ኩሎም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት፡ ሓሳቦም ብነጻ ኪገልጹ፡ መራሕቶም ተሓተቲ ኽገብሩ፡ እኹል ሓበሬታ ረኺቦም ድማ ዘተኣማምን ዉሳኔ ክውስኑ ዘኽእል ዕድል ክረጋገጸሎም ከምዝግባእ ዘተሓሳሰበ ስቲቨን ዎከር ፣ ኤርትራውያን ከምቲ ንጡፍነቶምን ብልሆምን ፣ ብቕዓቶም ብምልኡ ንኽጥቀምሉ ብነጻ ኪዛረቡ፡ ክጽሕፉን ኪሓስቡን ኽፍቀደሎም ከምዘድሊ ኣስሚርሉ።
“ብዛዕባ ሕጋዉነቱ ዘይስከፍን ዘይጠራጠርን መንግስቲ – ካብ ተቓወምቲ ይዂን ካልኦት ብዝመጽእ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ክርዕድ ኣይክእልን እዩ። ጥዑይ መንግስቲ ዝበሃል ድማ እቲ ንዝተፈላለዩ ሓሳባት ዘተኣናግድ እዩ።” ዝበለ እቲ ኣመሪካዊ፣ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ወገን ብዛዕባ ሕጋዉነቱ ይስከፍ ከምዝኾነ ብተዘዋዋሪ ሸምጢጡ።
ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣብ ኤሪቲቪ ይኹም ካልእ መንግስታዊ ሚድያ ቀሪቡ ሕቶታት ክምልስ ድልዉ ምዃኑ ዝገለጸ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ስቲቨን ዎከር፡ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ መርገጺታት ምስ ዘለዎም ኤርትራዉያን ክዘራረብን፡ ብዛዕባ ሓቀኛ ፖሊሲ ኣመሪካ ንኤርትራ ንምብራህ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ ሚድያ ከዕልልን ክፋል ስራሑ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።