ብመስርሕ ዳግመ-ሰፈራ ካብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ክነቕሉ ዝነብሮም ኤርትራውያን ስደተኛታት ፣ ብሰንኪ ዘይጽፉፍ ኣሰራርሓ UNHCRን ክፍሊ ኢሚግሬሽን ኢትዪጵያን፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝተመልሱ ምንጭታት ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም።

እቶም ካብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናይ ጉዕዞን መሰነይታን  ሰነድ ክረኽቡ ነዊሕ ዝተጸበዩን ዝኸርተቱን ስደተኛታት፣ ዝተረፈ መስርሕ ሰጊሮም ንኽነቕሉ ብትካል IOM ብ 13 ሰነ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝተረኽብሉ፣  “ወረቐትኩም ካብ ክፍሊ ኢሚግሬርሽን ኣይተላእከልናን ፣ ዝርዝር ኣስማትኩም ድማ ኣብ መዝገብ የለን” ተባሂሎም ብሰራሕተኛታት ኣቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከምእተመልሱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት ፡ ኣብ ገርጂ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት IOM ብምኻድ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ጸገም ኣብ ዝተወከስሉ፡  “ኣብ ዝጸዋዕናኩም ተመለሱ” ዝብል ተራ መልሲ ተዋሂብዎም ነናብ ቤቶም ከምዘበሉ እዩ እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።

ንብረቶም ሸይጦም ንመቕርቦም ተፋምዮም ዝተበገሱ እቶም ኤርትራውያን፡ በቲ ዘጋጠሞም ጸገም ከቢድ ጓሂ ዝተሰምዖም ኮይኑ፣ እቲ ተርእዮ ንገሊኦም ንኻልኣይ ግዜ ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብኢትዮጵያዊ በዓል-መዚ ንስደተኛታትን ተመላሶ፡ ክፍሊ ኢሚግሬሽን ፡ ከምኡ’ዉ ጨንፈር UNHCR  ይጻገሙን ይጓነዩን ምህላዎም ብተደጋጋሚ ክሕበር ጸኒሑ እዩ።