ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ስሩዕ ኣኼባ ቤት-ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሃገሩ ፡ ኲናት ሕድሕድ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ንዘኽእሉ ኣማራጺታት እተሳኽዕ ሽማግለ ቈይማ ምህላዋ ምግላጹ፣ ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራት ድማ ልኡኻቱ ኣብ’ቲ ብመንጎኝነት ኬንያ ተሰሪዑ ዘሎ ዝርርብ ሰላም ክሳተፉ ምዃኖም ምሕባሩ፣ ኲናት ሕድሕድ እታ ሃገር ብዘተ ክፍታሕ ኣንፈት ከምዘሎ ዘርእይ ኮይኑ’ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ንተኽእሎታት ሰላማዊ ዘተ እተጽንዕ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን እትምርሓ ሽማግለ ወፊራ ምህላዋ ብምግላጽ፡ መንግስቱ ንጸብጻብ እታ ጉጅለ ይጽበ ምህላዉ እዩ ገሊጹ። ምስ መራሕቲ ትግራይ ዛጊት ዝኾነ ቀጥታዊን ምስጢራዊን ዝርርባት ኽካየድ ከምዘይጸንሐ ዝሓበረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ይዂን ምስ መንግስቲ ኣብ ዘይምስምማዕ ኣትየን ዘለዋ ሓይልታት ካልኦት ክልላት ንሰላማዊ ዘተ ቅሩብ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ፕረዚደንት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረጽየን ገብረሚካኤል ነቲ ብመንጎኝነት ኬንያ ኽካየድ ተሰሪዑ ዘሎ ዘተ ዘለዎ ደገፍ ንምርግጋጽ ናብ ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ፕረዚደንት ኬንያን ኣብ ዝለእኾ ወግዓዊ ደብዳቤ፣ ወከልቲ ክልል ትግራይ ኣብ’ቲ ተሰሪዑ ዘሎ ዘተ ከምዝሳተፉን ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ድማ ኣብ ምዕዋት እቲ ዘተ ልዑል ተራ ክጻወት’ዩ ኢሉ ከምዝኣምን ሓቢሩ ኣሎ።

ዶክተር ደብረጽዮን ፣ ሓይልታት ትግራይ ካብ ነዊሕ ኣቐሚጦምዎም ዝጸንሑ ገዘፍቲ ቅድመኩነታት ከይወንዘፉ ኣብ’ቲ ዘተ ከምዝሳተፉ ምግላጹ ግን ፡ ነቲ ተነቢሩ ዘሎ ተስፋ ዝፈታተን ምዃኑ ብዙሓት ወገናት ይሕብሩ ኣለዉ።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ዝካየድ ዝኾነ ይኹን ዘተ ፣ ቀጻልነት ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፣ ምክያድ ረፈረንዱም፣ ዋንነት መሬት ምዕራባዊ ትግራይ ዝብሉን ካልኦትን ነጥብታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣትዉ ከምዘይኮኑ እዮ ክሕብር ጸኒሑ።

ክልል ትግራይ ነቶም ቅድመ ኩነታት ከየፋሕሸወት፡ ኣብ’ቲ ብመንግስቲ ኬንያ ተሰሪዑ ዘሎ ዘተ ከምእትሳተፍ  ምግላጻ ድማ ንተስፋ ዓወት እቲ ዘተ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ኮይኑ ኣሎ።

መንግስቲን ሓይልታትን ክልል ኣምሓራ ፡ ዋንነት መሬት ወልቃዪት ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን እዋን ከምዘይዋገይሉ የጠንቅቚ ምህላዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ነዚ ጉዳይ ብኸመይ ከማሕድሮን ከላዝቦን ከምዝኽእል ጨኒቕዎ ይርከብ።

“ፍሉይ ልኡኽ ኮሚሽን ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንቀርኒ ኣፍሪቃ ናይጀርያዊ ኦሊሴጎን ኣበሳንጆ  ፡ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ክልል ትግራይን ንምቅርብ ከካይዶ ዝጸንሐ ጻዕሪ ነየኖት ነጥብታት ኣማእኪሉ እዩ ኽካየድ ጸኒሑ ኽንፈልጥ ኣይተገብረን” ዝብል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ፣ ኣብ’ቲ ተስፋታት ዝንበቦ ዘሎ ዘተ ሰላም ብዙሕ ዕቃበታት ከምዘለዎ እዩ ዘተሓሳስብ።

ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ መሪሕ ተራ ጸኒሕዎ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንበይኑ ኽጓነጽ ዝርአ ዘሎ ህግደፍ እዉን ፣ ንምዕባለታት እቲ “ብከዉሊ ይካየድ ኣሎ” ዝብሎ ጻዕርታት ሰላም ብእወታ ከምዘይርእዮ በቲ ምስ ሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብቐጻሊ ዘሐይሎ ዘሎ ሽርክነት ከረድ ይፍትን ኣሎ።