ህንጸት ሃገር ንዝብል ኣምር ንመናውሒ ስልጣኑ ምስ ዘሳልጡ ጉልበታዊን ቊጠባዊን ምዝመዛ ዜጋታት ኣንዳሓንፈጸ ሃገር ከዕኑ ዝርከብ ህግደፍ፣ ስብኣዊ መሰል ከም ኣካል እቲ ሃገራዊ ህንጸት ከምዝርእዮን ንምምሕያሹ ድማ ምስ ዝብድህዎ ተርዮታት ይቃለስ ምህላዉን ብዘይሕንከት ገሊጹ።

ነቲ ጉጅለ ወኪሉ ኣብ መበል 50 ስሩዕ ኣኼባ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝተረኽበ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ዝበዝሐ ክፋሉ ነቲ ብፍሉይ ተኸታታሊ ኣካል ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣብ ዝሞገተ መደረኡ፣ ኩሎም እቶም በቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ዝቐረቡ ግምገማታት ካብ ሓቂ ዝረሓቚ ምዃኖም ካብ ምትራኽ ሓሊፉ፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተመሓየሸ እንተሎ መርትዖ ከቕርብ ኣይበቕዐን።

ብፍላይ ኣብ’ቲ ንገደብ-ኣልቦ ጉልበታዊን ወተሃደራዊን ኣገልግሎት ዜጋታት ኣመልኪቱ በቲ ተኸታታሊ ኣካል ዝቐረበ ትሕዝቶ፣ ከም ቅሉዕ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ምክልኻል መሰል ኤርትራ ክርእዮ ዝፈተነ ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል፣ እቲ ተኸታታሊ ኣካል – ዜጋታት ሃገሮም ዘገልግልሉ ንውሓት ግዜ ገደብ ተሓሪምዎ ከምዘሎ ጥራይ ገሊጹ እንከሎ፣ ኣምባሳደር ገራህቱ ንዘይተባህለ ዘረባ ከም ክሲ ኣቐሚጡ ነዊሕ ክምጒት ተሰሚዑ።

እቲ ተኸታታሊ ኣካል ፣ ገደብ ግዜ ዘይብሉ ወተሃደራዊን ሃገራዊን ኣገልግሎት ንዜጋታት ግዜኦምን ዉልቃዊ ልምዓቶምን ይቐትል ከምዘሎን ፡ ምንጪ ተኣሳሰርቲ ግህሰታት ይኸዉን ምህላዉን ካብ ምግላጽ ሓሊፉ፡ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኤርትራ ኪብንቈስ ኣለዎ ዝብል መተሓሳሰቢ ኣብ ጸብጻቡ ኣየስፈረን።

ኣምባሳደር ተስሚካኤል ንኹሎም በቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ኣካል ዝተመልከተሎም ግህሰታት፡ ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓቂ ዘይውክሉ ጸለመታት ምዃኖም እዩ ደጋሚሙ ብድፍረት ገሊጹ።

መሰልን ክብርን ዜጋታት ዘየቐድም ሃገራዊ ህንጸት ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ክሰርሕ ዘይተራእየ ኮይኑ፣ መለሳኡ ድሕረትን ዉድቀትን ዜጋታት ብምዃኑ፣ ክመልኩ ዝብህጉ ስርዓታት ነዚ ሜላ ብምጥቃምብስም ሃገራዊ ህንጸትን ድሕነትንካብ ቅቡል ክዉንነት ዘርሓቚ ስግኣታት ብምስናዕ  ኣብ ጭቈናን ፍርህን ዝነበር  ሕብረተሰብ ኽገዝኡ ከምዝቐለሎም ይንገር።