ብዓይኒ ሃገራት ምዕራብ “ናብ ዉነኡ ተመሊሱ´ሎ” ዝበሃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ፡ ንልምዓታዊን ጥዕናዊን መደባት ዝዉዕል ልዕሊ 400 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ዓለማዊ ባንክ ተቐሪብሉ። እቲ ገንዘባዊ ቀረብ ንምፍልፋል ትሕተ-ምድራዊ ማይን ንምምካት ለብዒ ኮቪድን ዝሽረፍ ከምዝኾነ እዩ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ዘሎ።

መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ’ቲ ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኣትዩዎ ዝነበረ ኪዳን ብምርሓቕ፡ ንጠለባትን መምርሒታትን ሃገራት ምዕራብ ክሰምዕ ካብ ዝጅምር፡ ብሰንኪ ኲናት ሓድሕድ ኣብ ከቢድ ቊጠባዊ ቅልዉላው ዝወደቐት ኢትዮጵያ፡ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ኽንስነሳ ጀሚሩ ምህላዉ እዩ ዝንገር።

መንግስቲ ነቲ ኲናት ኣብ ምግታእ ስለዘነፍዐ ዝሰዓቡ ቊጠባዊን ዲፕሎማስያዊን መቕጻዕትታት ዘሰነፍዋ ኢትዮጵያ፣ ካብ ኣህጉራዉያን ትካላት ምዕራባዊ ዓለም ዝለመዶቶም ገዘፍቲ ሓገዛት እዉን ስኢናቶም እያ ጸኒሓ። እዚ ብዝደፍኦ ድማ ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ንዝጀመሮ ጥሩፍ ምሕዝነት ኣዋዲቚ፡ ንምዕራብ ገጹ ከቋምትን ከዳምጽን ከምእተገደደ ናይ ቀረባ ተዓዝብቲ ኪሕብሩ ጸኒሖም እዮም።

ካብ ቀዳመይቲ ወርሒ ናይ’ዚ ዓመት ሃንደበት፡ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ኣሸበርቲ ሃገር ምስ ዝጸንበሮም ሓይልታት ትግራይ ክዛተ ድልዉ ምዃኑ ዘመላኽቱ ተበግሶታት ከርእይ ዝጀመረ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፣ ነቲ ብሃገራት ምዕራብ ብቐንዱ ድማ ብኣመሪካ ዝወሃቦ ዘሎ መምርሒ ኣብ ምትግባር ይድንጒ ከምዘየለ እዉን ይንገር።