ሃገራት ዓለም ናብ ምጥቃም ትሑት ካርቦናዊ ጸዓት ከየበላ ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዘለወን ዕቚር ሃብቲ ባህሪያዊ ጋዝ ክኸስባሉ ክጓየያ ከምዘለወን ኣህጉራዊ ትካል ጸዓት IEA ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ትካል ንተጠቃምነት ሃብቲ ጸዓት ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ኣብ ዘዉጸኦ ናይ’ዚ ዓመት እመታዊ ጸብጻብ ፣ እታ ኣህጉር ክሳብ መወዳእታ ናይ ዝመጽእ 10 ዓመት፡ ነተን ተጸጋዕነተን ካብ ሩስያ ከኽትም ይሰርሓ ብምህላወን ልዑል ጠለብ ባህርያዊ ጋዝ ዘርእያ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ ከባቢ 30 ቢልዮን ኩቢክ ሜተር እቲ ዓይነት ጸዓት ብምቕራብ ገዚፍ ኣታዊ ክትሓፍስ ከምእትክእል እዩ ዝሕብር።
ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ 31 ሃገራት ዝኣባላቱ እቲ ኣህጉራዊ ኣካል፡ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻቡ ፣ ነቲ ኣብ መፋርቕ ናይ’ዚ ኣቲናዮ ዘሎና ዘመን – ዓለምና ካርቦን ካብ ዝተፍኡ ዓይነታት ጸዓት ነጻ ንምግባራ ተተሊሙ ዘሎ መደብ ሕቡራት ሃገራት ንምዕዋት ፡ ካብ ዝመጽኡ ዉሑዳት ዓመታት ኣብ ካርቦናዊ ጸዓት ዝጸንሐ ወፍርታት ደዉ ክብል ከምዝኽእል እዩ ዝግምት።
ብሓፈሻኡ እቲ ኣህጉራዊ ትካል፡ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ንዘለዋ ዕቚር ጸዓት ክትረብሓሉ እንተዘይክኢላ ፡ ዘለዋ ግዜ ሒደት ምዃኑ ኣዩ ዘተሓሳስብ ዘሎ።