ህግደፍ ፡ ኤርትራ ኣብ’ቲ ኣብ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ኽካየድ ዝቐነየ ዋዕላ ሰላምን ድሕነትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይትሳተፍ ምኽልካሉ ፡ ክሳብ ክንደይ ንርግኣት እዚ ዞባ ዘይ-ቅሩብ ከምዝኾነ ዘረጋግጽ እዩ ክብሉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ንኲናትን ደምነትን ምስ ዝኾነ ወገን ኪዳን ክኣስር ሰገጥ ዘይብል ህግደፍ፣ ንሰላምን ልምዓትን ኣብ ዝነቕሉ ዞባዊ ይዂን ኣህጉራዊ ተበግሶታት ኽሳተፍ ዓቐብ ከምዝኾኖ ዘዘኻኸሩ እቶም ምንጭታት፣ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ወኪላተን ናብ ኣዲስ-ኣበባ ብምልኣኽ ብዛዕባ ጸጥታዊን ሰብኣዊን ድሕነት ዞባአን ክመያየጣ እንዳተራእየ፣ ህግደፍ ኤርትራ ንኸይትሳተፍ ምኽልካሉ ዘሕዝን’ዩ ኢሎም።

ቻይና እትመርሖ ዋዕላ ሰላምን ድሕነትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብ20ን 21ን ሰነ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምቅናዑ ይፍለጥ።

እቲ ዋዕላ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝብእስ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላዉ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝቕጽል ዘሎ ጸጥታዊን ፖለቲካዊን ነዉጺ ነባሪ ፍታሕ ከምጽኡ ኣብ ዝኽእሉ ኣማራጺታት ንምምይያጥ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ቊጠባዊን ወተሃደራዊን ህላዌኣ ንምርግጋጽ እትሰርሕ ዘላ ቻይና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝብእ ዘሎ ጸጥታዊ ኩነታት ዞባ ሓለፋ ከምዘሻቕላ እዩ ዝንገር።  ንኤርትራ ሓዊስካ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ጽላታት ዕደናን ልምዓታዊ ትሕተቅርጺን ገዘፍቲ  ወፍርታትን ተቃንዕ ዘላ ቻይና፣ ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ካብ መራሕያን ኣለቃሕቲ እተን ሃገራት ኮይና ምህላዋ ኣይርሳዕን።

ቻይና ኣቐዲማ ኣብ’ዚ ዞባ ዝነጥፍ ፍሉይ ልኡኽ ምምዛዛ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እቲ ዋዕላ በቲ ልኡኽ ዝተበገሰን ዝተወሃሃደን ምዃኑ እዩ ዝንገር። ኣንባሳደር ‘ዙ ቢንግ’ ኣብ ምሕያልን ምድራዕን ቊጠባዊ መደባት ቻይና ኣብ’ቲ ዞባ ኪነጥፍ፣ ነቲ ቻይና ኣብ’ቲ ዞባ ከተረጋግጾ ኣትደሊ ሓባራዊ ዕብየት ኣብ ምዕዋት ዘኽእል ጸጥታዊ ርግኣት ንምርግጋጽ ድማ ንመንግስታት ሃገራት ኣቲ ዞባ ከቀራርብ እዩ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት እዚ ዓመት ተመዚዙ።