ፈጻሚት ሽማግለ ናይ’ቲ ንመግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ስለፊ ብልጽግና ሎሚ 22 ሰነ ኣብ ዘቃንዖ ስሩዕ ኣኼባ፣ ኣብ እዋናዊ ጸጥታዊ ዛዕባታት ድሕሪ ምምይያጥ መምርሒታት ኣሕሊፉ ኣሎ።

ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ብዝሓየለ ንኽቕጽል ዘኽእሉ ተወሰኽቲ መምርሒታት ዝሰርዐ እቲ ሰልፊ፣ ኲናት ሕድሕድን፡ በቲ ኲናት ዝብእስ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዋላዉን ኢትዮጵያ ንምግታእ ኣብ ዘኽእሉ ኣማራጺታት እዉን ተዘራሪቡ ።

መራሒ እቲ ሰልፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ፣ መንግስቲ ኲናት ንምግታእ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝህልዉ ጽምዶታት ፍረ ክርከቦም ዘድሊ ጻዕርታት የካይድ ከም ዘሎ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣየካፈለን።

ፈጻሚት ሽማግለ  ሰልፊ ብልጽግና፣ ኣብ ሰፋሕቲ ከባቢታት እታ ሃገር ዝዛይድ ዘሎ ገበናት ቅትለትን ፖለቲካዊ ረበሻን ንምግታእ ብሓይልታት ጸጥታ ፈደራል ዝካየድ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፈራ ብዝሓየለ ክቕጽል ዘኽእሉ መምርሒታት ድሕሪ ምሕላፍ፡ ኣብ’ታ ሃገር ዕለታዊ ዝብእስ ንዘለዉ ጉጅለኣዊን ቀቢላዊን ምጥቕቓዓት ኣትሪሩ ኮኒኑ ኣሎ።

እቲ ብዝሓየለ መልክዕ ክቕጽል ተደልዩ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ብቐንዱ ናብ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ዘነጻጸረ ከምዝኾነ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝገልጹ ዘለዉ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኻልኣይ ወርሑ ብዝቕጽል ዘሎ ስልታዊ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዛጊት ልዕሊ 12 ሽሕ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም መንግስቲ እታ ክልል ኣብ ዝሕበረሉ ዘሎ ቅንያት እዩ፡ ሰልፊ ብልጽግና ነዞም ሓደስቲ መምርሒታት ዘሕልፍ ዘሎ ።

እቲ ምስ ዘይወግዓዉያን ዕጡቓት ጉጅለታት ነጢፍኩምን ኣብ ዝተፈላለዩ ገበናት ዉዒልኩምን ንዝተባህሉ ጥርጡራት ናይ ምልቃም ወፍሪ ገና ይቕጽል ከምዘሎ እዉን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ገሊጹ እዩ።

ካብ ተማእዛዝነት መንግስቲ ወጽዮም ብረቶም ምርካብ ዝሓንገዱ ገለ ናይ ምልሻ ኣሃዱታት እታ ክልል ምስ ህግደፍ ወጊኖም ምህላዎም ዝግለጽ ኮይኑ ፣ እቶም ሓይልታት ብማእከላይ መንግስቲ ከምተጠልሙን፡ መንግስቲ ንሓይልታት ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ሕድገታት ድማ ልክዑ ሓሊፍዎ ከምዘሎን ይኸሱ ምህላዎም ኣይርሳዕን።