ህግደፍ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብዝጸንሖ ገዚፍ ተሳትፎ ዝወነኖ ዓቢይ ፖለቲካዊ ጽልዋ ተመንዚዑ በይኑ ተሪፉ ምህላዉ፡ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ሓቢሮም።
ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝነበሮ ኪዳን ሃንደበት ተበቲኽዎ ጽልዋኡ ብመንገዲ ሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ንምርግጋጽ ኪጎዪ ዝጸንሐ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ፣ በቶም ጸጥታዊ ቅልዉላዉ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ፍታሕ ንምርካብ ጽዒቘም ዘለዉ ጻዕርታት ማሕበረሰብ ዓለም ሰንቢዱ ንበይኑ ተኾርኒዑ ምህላዉ እዮም እቶም ምንጭታት ዘረድኡ።
ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣመሪካን ሓያለ ሃገራትን ሽግር ኢትዮጵያ ንምፍታሕ ዓቲበን ተላዒለን ብምህላወን፣ ብፍላይ እቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን ዝጸንሐ ምትፍናን ብዝተፈላለዩ ምትእምማን ዘዛይዱ ተበግሶታት ኪመሓየሽ ይርአ ከምዘሎ ዝሕብሩ እቶም ምንጭታት፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ምስ ህግደፍ ዝጻግዑ ዘለዉ ሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሕጊ ናይ ምኽበር ሰፊሕ ወፈራ ንኸሳልጥ ካብ ኣመሪካ ዘተኣማምን ደገፍ ይቕረበሉ ከምዘሎ ጠቒሶም ኣለዉ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ቅልጡፍን ጽዑቕን ምቅይያራት ዚዛመድ ዳግመ-ዉደባ ኣብ ምስራዕ ኣመና ተሸጊሩ ብምህላዉ፡ ጸጥታዊ ቅልዉላዉ ኢትዮጵያ ብዘተ ንኸይዓርፍ ኣብ ዝዕንቅጹ ሜላታት ተጻቢቡ ይጽዕት ከምዘሎ እዉን ካብ’ቶም ምንጭታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የፍልጥ።
ንሰላማዊ ፍታሕ ሽግር ኢትዮጵያ ዝጓየ ዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ህግደፍ ኣብ ኲናት ሕድሕድ እታ ጎረቤት ሃገር ዝጸንሖ ተሳትፎ ብዘይቅድመ ኲነት ደዉ ክብል ይጽዉዕ ብምህላዉ እዉን፣ ነቲ ፈልማ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ድሒሩ ድማ ምስ ሓይልታት ኣምሓራን ዓፋርን ተመሳሲሉ ንዕንወት ወፊሩ ዝጸንሐ መራሒ ህግደፍ ኣብ ከቢድ ነዉጺ ኣእትይዎ ምህላዉ ፡ እቶም ምንጭታት ወሲኾም የረድኡ።
ህግደፍ ኣብ’ቲ ብመቓርብቱ ዝኾነት ቻይና ዝተበገሰ ዋዕላ ሰላምን ድሕነትን ቀርኒ-ኣፍሪቃ ከየተረፈ ኪሳተፍ ዘይምምራጹ፡ ነጸባራቕ ናይቲ ኣትዩዎ ዘሎ ራዕዲን ጸበባን ከምዝኾነ ዘመልከቱ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ናብ’ቲ ዝጸዓረሉ ዘሎ ናይ ዘተን ሰላምን ጎደና ክጽንበር እንተዘይመሪጹ ፣ ንኤርትራ ኣብ ዝበኣሰ ጸገም ኪሸማ ከምዝኾነ እዮም ኣተሓሳሲቦም።