ሰላም ካብ ኣስመራ። ከመይ ዉዒልኩም፡ ደሓንዶ፧!!
ኣነ ስቲቨን ዎከር እየ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ማለት’ዩ። ኣብዚ ምትእኽኻብ ንኽሳተፍ ዝቐረበለይ ዕድመ ኣቐዲመ አመስግን። ሎሚ ኣብዚ ምሳኻትኩም ምህላወይ ልዑል ክብሪ ይስመዓኒ።
ብዛዕባ ኣገዳሲ ጠቕሚ ነጻ ፕረስን ኣብ ምዕዋት ደሞክራስያዊ መስርሕ ዘለዎ ተራን ዘለኒ ሓሳባት ኸኻፍለኩም ዕግበተይ እዩ።
ቅድሚ ምቕጻለይ ግን፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰሉ ኣጋጣሚታት ምስታፍ ንዲፕሎማሰኛታት ኣመሪካ ፍሉይ ተርእዩ ኣይኮነን ክብል ይደሊ። ኣመሪካዉያን ዲፕሎማሰኛታት ምስ ዝሰፍሐ ህዝቢ ናይታ ብስራሕ ዝነብሩላ ሃገር ክራኸቡን ንዘተፈላለየ ርድኢታት ክሰምዑን ሓላፍነቶም እዩ። እዚ ድማ ምስ ማዕከናት ዜና፡ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት፡ ምስ ነጋዶን ተራ ዜጋታትን እታ ሃገር ኪኸዉን ይኽእል።
ኣብዚ ዋዕላ ክሳተፍ ከምዝኾንኩ ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገለ ነቐፌታታት ክስማዕ ቀንዩ እዩ። ገለ፡ ኣብዚ ዋዕላ ምስታፈይ ንኤርትራዊ ደንበ ተቛውሞ ዘለኒ ደገፍ ዘንጸባርቕ እዩ ክብሉ ከለዉ፡ ገለ ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ስርዓት ናይ ምቕያር ፖሊሲ ይደፍኣሉ ከምዘሎ ዘመላኽት ምዃኑ ተዛሪቦም። ክልቲኡ እዚ ግን ሓቅነት ከምዘይብሉ ኪሕብረኩም እደሊ።
ኤሪሳት ኤርትራዊት ናይ ሚድያ መድረኽ እያ፡ ዜናን ሓበሬታን ንኣብ መላእ ዓለም ዝነብር ኤርትራዊ ተባጽሕ ዘላ እያ። ብዛዕባ ንኤርትራን ንኤርትራዉያንን ኣብ ዘገድሱ ዛዕባታት ዝተፈልየ ኣረዳድኣ ክህልዋ ይኽእል እዩ፡ ንነገራት ብዛዕባ ዘለዋ ዝተፈልየ ርድኢትን ሓሳባትን ኽትገልጽ ድማ ምሉእ መሰል ኣለዋ። ኣብዚ ዋዕላ ምስታፈይ ግን ንመርገጺታትን ሓሳባትን ኤሪሳት ስለዝሰማምዕ ኣይኮንኩን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ ምስታፈይ መንግስቲ ኣመሪካ ንተቛወምቲ ይድግፍ እዩ ማለት ከምዘይኮነ ከብርህ ይደሊ።
ጉዳይ ኤርትራ ብኤርትራዉያን ጥራይ እዩ ዝዉሰን!
ኣብዚ ክሳተፍ ዝቐረበለይ ዕድመ ብሓጎስ እየ ተቐቢለዮ። ኪሕብሮ ዝደሊ ነገር እተልዩ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን መንግስቲ ኤርትራ ተመሳሳሊ ዕድመ እንተቐሪብለይ እዉን ኮፍ ኢለ ክዛረብ ቅሩብ እየ። ንኣብነት ተለቪዥን ኤርትራ ኤሪቲቪ ብዛዕባ ብሓደ ናይ ፕሮግራም ማእከል ኣመሪካ ዝተቓንዐ ስልጠና ጽሒፋ ነይራ ግን ብሮድካስት ክትገብሮ ኣይመረጸትን። ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ እዉን ናብ ክፍሊ ጋዜጣ ኤሪትርያን ፕሮፋይል ናይ ሚኒስትሪ ዜና ንፖሊሲ ኣመሪካ ኣመልኪቱ ግጉይ ሓበሬታ ኣዘስፈረ ንዝወጽአ ሓተታ ዝብድህ ጽሑፍ ሰዲደ ነይረ። ጽሑፈይ ግን ከሕትምዎ ኣይመረጹን።
ቅድሚ ሓደ ዓመት ይኸዉም እዉን ምስ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ተራኺበ ፡ መራኸቢ ብዙሓን መንግስቲ ኤርትራ ንንጥፈታት ማእከላት ኣመሪካ ከቃልሓ፡ ነቶም ንጠፋታት ብዝምልከት ዝጽሕፎ ርእይቶ ንኽሕተም፡ ከምኡ’ዉን ካልኦት ኤምባሲታትን ዲፕሎማሰኛታትን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝራኸብሉን ዚዘራረብሉን ባይታ መራኸቢ-ብዙሓን ንኽፍጠር ሕቶታት ኣቕሪበሉ ነይረ፡ ጠለበይ ግን ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ኣብዝኾነ ሰዓት ኣብ ኤሪቲቪ ይዂን ምስ ኤሪትርያን ፕሮፋይል ኮፍ ኢለ ኪዛረብን ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ፖሊሲ ኣመሪካ ንሃገሩ እንታይ ከምዝመስል ንኸነጽርን ፡ ድሉውን ብሓጎስ ዝጽበዮን ምዃነይ ክሕብር ይደሊ።
ዛዕባ ናይዚ ናይ ሎሚ ዋዕላ፡ ኣገዳስነትን ተራን ነጻ ፕረስ ኣብ ምርግጋጽ ደሞክራስያዊ ሃዋህዉ እዩ። ንናይ ፈይስቡክ ገጽ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ እትከታተሉ ኩሉኹም ከምእትግንዘብዎ፡ ኣመሪካ ንነጻነት ፕረስ ክሳብ ክንደይ ኣብ ምርግጋጽ ደሞክራስያዉን ቊጠባዉን ዕብየን ልዑል ተራ ኣለዎ ኢላ ከምእተኣምን ኣይትስሕትዎን። ኣመሪካ ንነጻነት ሓሳብካ ምግላጽን ፕረስን ፡ ከምኡእዉን ድሕነት ጋዜጠኛታት ኣብ ዉሽጢን ዓለምን ኣትሪራ ትድግፎን ትሕልዎን ጉዳይ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ’ቲ ናይ ፈይስቡክ ገጽና ብዙሓት ሰባት ኪነቕፉና ንዕዘብ ኢና። ገለዉን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ምሕላቐይ ፡ ተሓላቒ ዲኻ ዲፕሎማስኛ ዝብል ሕቶ የቕርቡለይ እዮም። ብናተይ ርድኢት ክልቲኡ ኪኸዉን ከምዝግበኣኒ እየ ዝኣምን። ኣብ’ቲ ገጽ፡ ሓሳብካ ከይተቐየድካ ከተካፍል ከምዝከኣል ንምእማን ኢና ንሕልን። ሰባት ኣብ ኮመንት ዘቐምጥዎም ዝተፈላለዩ ሓሳባት፡ ብዘይካቶም ዓሌታዉያን ጸርፍታት ካልእ ዝኾነ ክንድምስስ ኣይንፍትንን።
ነጻ ዋሕዚ ሓበሬታ፡ ሓሳባትን ርእይቶን ንዘቤታዊ ርግኣት፡ ጥዕና ዘለዎ ፖሊሲ፡ መንግስታዊ ተሓታትነትን ቊጠባዊ ብልጽግናን ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። ንጡፍን ነጻን ፕረስ ድማ ንጥዕይቲ፡ ደሞክራስያዊትን ነጻን ሃገር እምነ መኣዝና እዩ። ኣብ ሕምብርቲ ነጻነታት ሓስባካ ምግላጽ፡ “ሓበሬታ ህዝባዊ ዋንነት’ዩ” ዝብል ርድኢት ኣሎ። ጥዑይ ፖሊስ ንኽትሰርዕ ጥዕና ዘለዉ ሓበሬታ ኣገዳሲ እዩ። ብነጻ ሓሳባትካ ካብ ምምይያጥ እሙን ሓቂ ኪርከብ ኣይጸግምን። ነጻነት ፕረስ ድማ ናይዚ መፍትሕ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ነጻነት ፕረስ ኣብ ምርግጋጽን ምዉሓስን ሰብኣዊ መሰልን ቊጠባዊ ገስጋስን ዜጋታት ኽጠቅም ዝኽእል ገዚፍ መሳርያ እዩ። ነጻ ፕረስ እንተሎ፡ ምዝመዛን ሰራሕተኛታት፡ ብልሽዉናን ሰብስልጣን መንግስቲ፡ ጾታዊን ዓሌታዊን ተነጽሎታት፡ ብኣባላት ጸጥታ ዝበጽሑ በደላት፡ ኩነታት ዕዳጋን ካልእን ምስናድ ዝከኣል ኢዩ። ንጹር ጽብጸባ ዝኽተል ፕረስ፡ ፖለቲካዊ ይዂን ቁጠባዊ ጸገማት ብቕልጡፍ ኣለሉዩ ንምጽጋኖምን ግንዛቤ ንኽረኽቡን ጽፉፍ ርእይቶታት ዘቕርብ እዩ። እዚ ድማ ንዕብየትን ለዉጥን ሓንቲ ሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ ይኸዉን።
ሎሚ ነጻነት ፕረስን ሰራሕተኛታቱን ልዕሊ ካልእ እዋን ኣብ ሓደጋ ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ድማ ብዛዕባ ድሕነትን ቀጻልነትን ነጻነት ፕረስ ሓለፋ ኪንሓስብ ይገብረና ። ኣብ መላእ ዓለም፡ መንግስታት ኣብ ምጭቋን፡ ምጥቃዕ፡ ምእሳርን ምፍርራህን ግዜጠኛታት ወፊሮም ንርኢ ኣሎና። ክሳብ 2021 ጥራይ 293 ግዜጠኛታት ዓለምና ብሰንኪ ስራሖም ኣብ ድጎና ይርከቡ። ካዚኦም እቶም 16 ኣብ ኤርትራ ዘለዉ እዮም። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ነጻነት ፕረስ የሎን። ምኽንያቱ ዝርካበን ኩለን ሚድያ ብመንግስቲ ዝዉነና እየን። ካብ ዘይምህላዉ ነጻነት ፕረስ ዝነቅል ዋሕዲ ሓራን ዘይወገናዊን ሓበሬታ፡ ህዝቤ ኤርትራ እኹል ሓበሬታ ወኒኑ ሓላፍነታዊ ዉሳኔታት ከይወስድ ገዚፍ ሃስያ ፈጢሩ እዩ። ኤርትራዉያን ብዛዕባ ዘገድስዎም ዛዕባታት ኪዛረቡን ኪሓቱን ኣይክእሉን እዮም፥ ምስ መንግስቲ ዘለዎም ዘይምስምማዕ ኽገልጹን፡ ንሓለፍቶም ተሓተቲ ኪገንሩን ዓቐብ እዩ።
ዝኾነ ፍሉጥ ኣህጉራዊ ኣዉፋሪ ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ክነጥፍ ኣይረአን። ምኽንያቱ ብዛዕባ ቊጠባዊ ፖሊሲ ኤርትራ እኹል ሓበሬታ የለን። ዜጋታት ንዝቀያየር ፖሊሲ መንግስቲ ኽግምቱ ኣብ ወረን ዘይወግዓዊ ሓበሬታን ኪምርኮሱ ይረኣዩ። ኣየናይ መምርሒን ትእዛዝን ከምዝኽተሉ ኩሉሳዕ ምስተደናገሩ እዮም። እዚ ድማ ካብ ዝባን እቶም ዜጋታት ዘይወረደ ዘሎ ኣድራዕ እዩ።
ኤርትራዉያን ከም ኩሎም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት፡ ሓሳቦም ብነጻ ኪገልጹ፡ መራሕቶም ተሓተቲ ኽገብሩ፡ እኹል ሓበሬታ ረኺቦም ድማ ዘተኣማምን ዉሳኔ ክውስኑ ዘኽእል ዕድል ክረጋገጸሎም ይግባእ። ኤርትራውያን ንጡፋትን በላሕቲን ህዝቢ እዮም፡ ምሉእ ብቕዓቶም ንኽጥቀምሉ ድማ ብነጻ ኪዛረቡ፡ ክጽሕፉን ኪሓስቡን ኽፍቀደሎም የድሊ። ብዛዕባ ሕጋዉነቱ ዘይስከፍን ዘይጠራጠርን መንግስቲ – ካብ ተቓወምቲ ይዂን ካልኦት ብዝመጽእ ፍልይ ዝበለ ሓሳብ ክርዕድ ኣይክእልን እዩ። ጥዑይ መንግስቲ ዝበሃል ድማ እቲ ንዝተፈላለዩ ሓሳባት ዘተኣናግድ እዩ።
3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ነጻነት ፕረስ እዩ። ነታ ዕለት ንምዝካር ድማ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ኤምባሲና ንገለ ኣስማት ናይቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራዉያን ጋዜጠኛታት ጠቒሳ ነይራ። ሕጂዉን ከምዘይረሳዕናዮም ንዓለም ንምንጋር ደጊመ ኣስማቶም ክጽዉዕ እየ። ዳዊት ኢሳቕ፡ ስዩይ ጸሃየ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል…… እዞም ተበዓት ጋዜጠኛታት ገለ’ዉን ምስ ከቢድ ጥዕናዊ ጸገሞም ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ሕሱም ኣተሓሕዛ ይሳቐዩ ምህላዎም ንፈልጥ ኢና….. ማቲዎስ ሃብተኣብ ፡ ፍስሃየ ዮሃንስ ጀሽዋ፡ ኣማንኤል ኣስራት፡ …. ኩሎም’ዚኦም ስድራን ገዲፎም ዝተኣስሩዮም ፡ ስለዝኾነ ስድራቤት እዞም እሱራት ኩሉሳዕ ኣብ ሓሳብናን ጸሎትናን ከምዘለዉ ንሕብር…..ተመስገን ገብረየሱስ፡ ስዒድ ኣብዓረ፡ ዩሱፍ መሓመድዓሊ፡ መድሃኔ ሃይለ ገለ ላብዞም እሱራት ቈልዑ ዝገደፉ እዮም፡ ደቈም ክዓብዩን ኣብ ቁምነገር ኪበጽሑን ከይረኣዩ ዓመታት ኮይኑ፡ ..ገብርሂወት ቀለታ፡ ሰላምይንገስ በየነ፡ ሓምድ መሓመድ ሳዒድ፡ ሳላሕ ኣልጃዚሪ።
ብዝዕባ እዞም ተባዓት ኤርትራዉያን ቀጻሊ ንዝክርን፡ ሓርበኛታት ምዃኖም ድማ ንኣምንን። ንህዝቦም ሃገሮምን ክብሉ ዝሓለፉ ጀጋኑ ተባሂሎም ታሪኽ ክዝክሮም እዩ። ነዞም ሰባት ቀጻሊ ንዝክሮም፡ ኣስማቶም ብዓውታ ንጽውዖ፡ ኣብ ልብና ድማ ክቡር ቦታ ንህቦም።
ኤርትራዉያን ስነጥበበኛታትን ምሁራትን እዉን ሓሳቦም ብነጻ ኽገልጹ ክፍቀደሎም ይግባእ። ልክዕ ንኸም ጋዜጠኛታት ዝጥለብ ዘሎ ነጻነት። ፍሉይ ወይ ተጻራሪ ሓሳብ ምቕራብ ወይ ምቅዋም ከም ሃገራዊ ክድዓት ክርአ የብሉን። በዚ ኣጋጣሚ፡ ነቶም ንኣካይዳታት መንግስቲ ስለዝነቐፉን ፖለቲካዊ ሓሳቦም ስለዘካፈሉን ጥራይ ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ድጎና ዝሳቐዩ ዘለዉ ጉጅለ 15 እዉን ክዝክር እደሊ። ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ብቐንዱ እዉን መንግስቲ ኣመሪካ እቶም ዉልቀሰባት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ቀጻሊ ምስጸዉዐ እዩ። ኩሎም ሓሳቦምን እምነቶምን ብነጻ ዝለዝገለጹ ኣብ ማሕዩር ዝርከቡ ዜጋታት ክልቀቚ እዉን ንጽዉዕ።
ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 1997 ንዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋም ኸተግብር ንጽዉዕ። ከምኡ’ዉን መንግስቲ ኤርትራ ብመትከላትን ዉዕላትን ሰብኣዊ መሰላት ተገዚኡ ክኸይድ እንዳጸዋዕና፡ ንመሰልን ክብሪን ናይ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ዜጋ ክሕሉ ንላቦ።
ንመንግስቲ ኤርትራ ነዚ መጸዋዕታ ነቕርበሉ ዘለና ፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት መለኽቲ ኽንከዉን ወይዉን ንሰብኣዊ መሰላት ፖለቱካዊ ቃና ኸነትሕዞ ዘይኮነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽተሎ መንገዲ ከመሓይሽ ንጽዉዕ ዘለና፡ ኤርትራ ኽትረግእ ክትለምዕን ኽትግስግስን ስለንደሊ ጥራይ እዩ።
ኣመሪካ እዉን ከይተረፈት ኣብ ምዉሓስ ሰብኣዊ መሰላት ሃጓፋት ኣለዉዋ ። ኣብቲ ጉዳይ ዝኾነ ሃገር ፍጽምቲ ኣይኮነትን። ኩልና ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ኢና እንርከብ። እቲ ዕላማ ግን ራህዋን ሕጊን ዝዓሰላ ሃገር ንምርግጋጽ ቀጻሊ ምጽዓር እዩ።
ተለቪዥን ኤሪሳት ከምዚ ኢለ ምሳኹም ክዛረብ ዕድል ስለዝፈጠርኩምለይ ፡ ከምኡ ድማ ምንጪ ዜናን ሓበሬታን ኣማራጺታት ሓሳባትን ትኾኑ ብምህላውኩምን ኣዝየ የመስግን ።ደጊመ፡ ኣብዚ መጽየ ምዝራበይ ምስ ኩሉ መርገጺታትን ሓሳባትን ኤሪሳት ይሳማማዕ እየ ማለት ኣይኮነን። ከምኡ ዉን መንግስቲ ኣመሪካ ንኤሪሳት ይኹን ንካልኦት ተቛወምቲ ዘለዎ ደገፍ ንምራኣይ ኣይኮነን። ኣብዚ ምምጻአይ ክልቴና ኣብ ሓደ ጉዳይ ስለንሰማማዕ ኢና፡ ንሱ ድማ ሓሳብካ ብነጻነት ምግላጽን ህላወ ነጻ ፕረስን ንደሞክራስያዊን ቊጠባዊን ዕብየት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ስለእንኣምን።
ኣቐዲመ ዝተዛረብክዎ እዉን ክደግም፡ ካብ ሰብ-መዚ ሚኒስትሪ ዜና ኣብዚ ትዕዘቡን ትሰምዑን እንተሊኹም፡ “ከምዘለኹም’ኳ ይፈልጥየ፡” ኣብ ዝኾነ ግዜ ኣብ ኤሪቲቪ ይኹም ካልእ መንግስታዊ ሚድያ ቀሪበ ሕቶታት ክምልስ ቅሩን ምዃነይ እንዳረጋገጽኩ፡ ምስ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ መርገጺታት ዘለዎም ኤርትራዉያን ክዘራረብን፡ ብዛዕባ ሓቀኛ ፖሊሲ ኣመሪካ ንኤርትራ ንምብራህ ምስ ዝኾነ ኤርትራዊ ሚድያ ከዕልልን ሓላፍነተይ ምዃኑ ኪሕብር ይፈቱ።