ለይላ፣
የቐንየልና ፈጻሚ ስራሕ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኣቶ ስቲቨን ዎከር። ኣብ’ዚ ዋዕላና ምስታፍካን ኣብ ጎድኒ ዉጹዕ ህዝብና ኽትከዉን ዝመረጽካዮ መርገጺን ዘሎና ምስጋና ኽንገልጽ ኣፍቅደልና። ኣቐዲምካ ዘካፈልካዮ ረዚን መልእኽቲ እዉን ንዙሓት ኤርትራዉያን ተስፋ ዘስንቕ ምዃኑ ኸነረጋግጸልካ ንፈቱ። ንስኻን ቤትጽሕፈትካን ኣብ ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት ዝገበርኩሞን ትገብርዎ ዘለኹምን ስራሓቲ ድማ ኣዚና ንምጉስ። ካብዚ ቀጺለ ካብ ተዓዘብትና ንዝነቐሉ ሕቶታት ከም ዘለዉዎ እንዳንበብኩ ናባኻ ከበሎም ኣፍቅደለይ።
ኣብ ሓንቲ ከባቢ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝህዝባ ሃገር ሓሳቡን ርድኡትን ከይተሰከፈ ንህዝቢ ከንጸባርቕ ዝኽል ሰብ ኣሎ፣ ንሱ ድማ ንስኻ ኢኻ። እዚ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዝምልከቶ እንኮ ሰብ ንስኻ ጥራይ ንኽትከዉን ዝፈጥረልካ ስምዒት ከመይ ይመስል? ኣብ ሓንቲ መላእ ህዝባ ነዚ ረኺብካዮ ዘሎኻ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ ዝተሓረማ ሃገር ክትሰርሕ’ከ ክሳብ ክንደይ የጸግመካ?
ስቲቨን ፣
ፈለማ ንዘሎ ቴክኒካዊ ጸገማት ኣብ ግምት ከተእትዉዎ ይምሕጸነኩም፣ ኤርትራ ጥዕምቲ ሃገር’ያ ካብ ልበይ’ዉንየ ዝፈትወ ፣ ኣብ ቴክኖሎጂን ኢንተርነትን መጺኻ ግን ብዙሕ ጸገማት ኣሎ። ብዝኾነ፣ ካብ ኣስመራ ኮይነ ኣብ ዋዕላኹም ክሳተፍ ሕጉስ ምዃነይ ኽገልጸልኩም እደሊ። ንሕቶኺ ኣብ ምምላሰይ ፈለማ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ገለ ክብል ኣፍቅድለይ። ኤርትራዉያን ከም ህዝቢ ጥዑማትን ምቕሉላትን እዮም። በላሕቲን ህርኩታትን ጥራይ ዉን ዘይኮኑ፣ ኣነ ከምዘስተብሃልክዎ ፣ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት እዉን ሰሪሐ ስለዝኾንኩ፣ ኤርትራዉያን በቲ ሓደ ፈቃራትን ትሑታትን በቲ ካል ድማ ጽኑዓትን ክሩዓትን እዮም። ንሃገሮም ዘለዎም ፍቕርን ሃገሮም ንምርካብ ዝሓለፍዎ መስገደልን ብዘይብድዐ እዮም ዝኾርዕሉ። ብሓጺሩ ኤርትራዉያን ከም ህዝቢ መን ምዃኖም ዝፈልጡ እዮም። እዚ ድማ ፍሉያት ይገብሮም። ኤርትራ ኣዝያ ምጭዉቲ ሃገር እያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ኣቀማምጣን ርሰከተማኣ ዝዉንኖ ጽባቐን ንገያሾ ኣዝዩ ሰሓቢ እዩ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ንኣስመራ ብነፋሪት ናይ ከባቢ ሓደ ሰዓት እዩ ስለዝኾነ ናብ ኣዲስኣበባ ዘማዕድዉ ገያሾ ንግረመንገዶም ነዛ ሃገር ክበጽሑ መድለዮም ይብል።
እንታይ ይስመዓካ ንዝብል ሕቶኺ ክምልስ ግን፣ ኤርትራን ህዝባን ምስዚ ኹሉ ትሕዝትኦምን ብቕዓቶምን ፡ መሰሎምን ሓርነቶምን ተደሪቱ ክርእይ ልዑል ሓዘን ከምዝስመዓኒ ክሕብር እደሊ። ኤርትራዉያን መሰረታዊ መሰላቶም ተቐዪዱ ንጹር ቊጠባዊ ፖሊሲ ተኸሊዎም ከይኣክል መወዳእታ ኣብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነዊሕ ክምዝመዙ ኽትርይ እንከሎኻ ፣ ከም ህዝቢ ምስ ኩሉ ብቕዓቶም ክበጽሕዎ ዝግባኦም ምሕባለ ተኸሊኦም ብምህላዎም ኣመና የሕዝነኒ።
ለይላ፣
ኣብ ዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት መንግስቲ ኤርትራ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ቀጻሊ ኽጥቀስ ጸኒሑ እዩ። ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ እዉን ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዓመታዊ ኣብ ዘስፍሮ ጸብጻብ ክስንድ ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ እዞ ግህሰታት ንመንግስቲ ኤርትራ ብቓልዕ ክወቅስን ክጽዉዕን ኣይጸንሐን። ካብ ቅድሚ ሓደ ዓመት እኣቢሉ ንስኻ ከም ፈጻሚ ስራሕ እቲ ኤምባሲ ኣብ ኣስመራ ድሕሪ ምምዛዝካ ግን ብዛዕባ እቲ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብዓዉታ ኽትመላለስ ይርአ ኣሎ። ንምንታይ ድሕሪ ናይ ዓመታት ስቕታ ሕጂ ኤምባሲ ኣመሪካ ከምዚ ዓይነት ጽምዶ መሪጹ። ካብ ባዕልኻ ዝብገስ ኣብ ምርግጋጽ ሰብኣዊ መሰላት ዘሎካ ጽኑዕ እምንቶ ድዩ ወይስ ኣብ ፖሊሲ ኣመሪካ ለዉጢ ስለዘሎ እዩ?
ስቲቨን፣
ፈለማ ነቲ 30 ዓመታት ስቕታ መሪጽኩም ጸኒሕኩም ዝብል ዘረባ ክሰማማዓሉ ኣይመርጽን። ኣመሪካ ኣብዘን ዝሓለፋ 2 ዓመታት ብዛዕባ እቶም ኣብ ኤርትራ ዝኸዱ ዘለዉ ግህሰታት ካብ ምጽብጻብ ወገዓዊ መገልጺታት ካብ ምዉጻእን ኣየዕረፈትን። ምስ ኣህጉራዉያን ኣካላት እንዳሓበርና እዉን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣካይዳታቱ ምምሕያሽ ከርኢ ኽንደፍ ጸኒሕና ። ኣብ 209 ከምኡዉን ኣብ 2011 መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝፍጽሞ ዘሎ በደላትን ዞባዊ ሃወኽ ንምዝያድ ዘመሓድሮም ንጥፈታትን ንምዳብ ኣብ ንዝሓለኑ እገዳታት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ደጊፍና ኢና። ብዘይካ’ዚ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ዝዕመም ዲፕሎማስያዊ ስራሓት እዉን ብቐጻሊ ንጽዕር ኣሎና። ገለ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ብከዉሊ ዝካየዱ ኣለዉ። ኣብ ሞንጎ ሰብስልጣንን ወከልቲን መንግስታት ኤርትራን ኣመሪካን ኣብ ዕጽዉ ማዕጾ ዝካየዱ ዝርርባት ጸኒሖም እዮም። ቅድመይ ነዚ ሒዘዮ ዘለኹ መዝነት ዝሓዙ ወከልቲ መንግስቲ ኣመሪካ እዉን ከምዚ ኣነ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ኪመሓየሽ ዘሎኒ ድሌት ዝነበሮም እዮም።
እንታይ ደኣ’ሉ ተቐዪሩ ሕጂ ንዝብል ……. ! ተሳትፎ ኤርትራ ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ስዒቡ ዝዛየደ ሻቕሎት ኣመሪካ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዉሽጢ ሃገሩ ዝፍጽሞ ዘሎ ግህሰት ጥራይ ዘይኮነ ሓይልታቱ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኸካይድዎ ዝጀምሩ ግህሰታት ንመንግስቲ ኣመሪካ ከተሓሳስቦ ጀሚሩ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ገዘፍቲ በደላት ከምዝፈጸሞ ዘረድኡ ሓያለ ኣህጉራዉያን ጸብጻባት ኣለዉ። ይርደእኣኒ እዩ ፣ ኤርትራዉያን ንሃገሮምን ሃገሮም ንምክልኻልን ክኸፍልዎ ዝኽሉ ዋጋ፣ ሰራዊቶም ከምዚ በዲሉ እዩ ክበሃሉ እዉን ንልቦም ዝጎድ ከምዝኾነ እፈልጥ ። ምኽንያቱ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኲናት ዒራቕ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኽጥቀሱ እንከለዉ ዝኾነ ኣመሪካዊ ብጽቡቕ መንፈስ ከምዘይቅበሎ ይርደኣኒ እዩ። እንተኾነ ፣ ኣብ ዝኾነ ኲናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዘሎ ክንርዳእ ግቡእ እዩ። ሚኒስተር ዜና መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግህሰታት ከምዝፈጸሙ ዝጠቕሱ ጸብጻባትን መግለጺታትን ብኽድኑ ኽነጽጎምን ኔርትራን ሰራዊታን ንምጽላም ዝዓለሙ ጥራይ ምዃኑን ክማጎትን ተራእዩ እዩ። እቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ በደል ግን ብርግጽ ኣጋጢሙ እዩ። ንኣብነት ኣብ ኣኽሱም ዝተፈጸ ህልቂት ርጉጽ እዩ። ብዙሓት ርትዓዉያን ማዕከናት ዜና ይዂና ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ዝበላ ፍሉጣት ኣህጉራዉያን ኣካላት ብዛዕባ እቶም ብሰራዊት ኤርትራ ተፈጺሞም ዝበሃሉ በደላት ሰፋሕቲ ጽሑፋትን ጸብጻባትን ኣቕሪበን እየን። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ግና ነቲ ሓበሬታ ዝሃባ ከም ዋሺንግተን ፖስት፣ ሮይተርስ፣ ኔውዮርካ ታምይምስን ካልኦት ትካላትን ኹለን መሓዉርን መሳርሕን ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኢየን እንዳበለ ንኹሎም ክስታት ክነጽግ ኢና ርኢና። እዚ ኣዝዩ ዝገረም እዩ። እዚ’ዉን ይትረፍ ደሓን ፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እዉን እንተኾነ ብዛዕባ ኣቲ ብሰራዊት ኤርትራ ተፈጺሙ ዝተባህለ ግህሰት ሰኒዱ እዩ። ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ከምኡ’ዉን ሕቡራት ሃገራት ከይተረፉ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ጸብጺቦም እዮም።
እዚ ኽብል ከለኹ ግን ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝራጸሙ ዘለዉ ወገናት ግህሰት ከምዝፈጸሙ እንዳእኣመንኩ እየ። ሰራዊት ኤርትራ በይኑ እዩ ግህሰት ፈጺሙ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ። ኩሎም ተሳተፍቲ እቲ ኲናት በቶም ዝፈጸምዎም ገበናት ኪሕተቱን ናብ ፍርዲ ኪቐርቡን ድማ እምንቶይ እዩ። ኣብ’ዚ ጉዳይ ብመንገዲ ዕጹውን ክፉትን ዲፕሎማስያዊ ጽምዶታት መፍትሒ ኽርከብ ይስራሕ ምህላዉ ድማ ኪሕብር ምደለኹ።
ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዓዉ ኢለ ክታረኽ ዝገደደኒ ካልእ ምኽንያት ድማ እቲ ብምኒስተር ዜና ኤርትራ ንፖሊሲታትን ኣካይዳታትን ኣመሪካ ኣመልኪቱ ዝወጽ ጥምዙዝ ሓበሬታ እዩ። ነዚ ንምብዳህን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ስደትን ዝርከቡ ኤርትራዉያን ብዝዕባ ፖሊሲ መንግስቲ ኣመሪካ ንጹር መረዳእታ ንኽህልዎምን ድማ ኣትሪረ ይሰርሕ ኣለኹ። ከም ወኪል ፈጻሚ ጉዳያትን ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ድማ እዚ ቀጥታዊ ሓላፍነተይ ከምዝኾነ ኣሚነ ብዝሓየለ ክቕጽሎ ምዃነይ ክፍክለጥ ይግባእ። ኩሉ እቲ ኣነ ኽብሎ ዝኾንኩ ግድን ተቐባልነት ክረክብ ማለት ኣይኮነን፣ የግዳ ኣኽብሮት ብዘለዎ ነቲ ሓቂ ምንጋር ክንደፍር ሓላፍነት ክስመዓና ኣለዎ ። ዕላማ ነጻነት ሓሳብካ ምግላጽ እዚ እዩ። ምስ ዝኾነ ነጻነት ግድን ምስካም ሓልፍነት ኣሎ። ስለዝኾነ እቲ ኣብ ገጻት ፈይስኩብ ነካፍሎ ሓበሬታ ቅኑዕን ንጹርን እዩ፣ ንዝኾነ ሰብ ጌጋ ሓበሬታን ፕሮፖጋንዳን ከነካፍል ንመርጾ ኣይኮነን።
ሄኖክ
የቐንየልና ፈጻሚ ስራሕ ኤምባሲ ኣመሪካ ስቲቨን ዎከር። ዋና ዳይረክተር ኤሪሳት ሄኖክ ተኽለ እየ፣ ቀጺለ ኪሓተካ ደልየ ዘለኹ ሕቶ እምበኣር፣ ከምተፍለጦ ኣብ 2001 ፣ 15 ዓበይቲ ፖለቲከኛታት፡ 11 ጋዜጠኛታት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፡ ከምኡ’ዉን ክፍሎም ገብረሚካኤልን ዓሊ ኣልኣሚን ተባህሉ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ብመንግስቲ ኤርትራ ተእሲሮም ዛጊት ንኣበየ-ህላዌኦም ዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ የሎን። ኤምባሲ ኣመሪካ ነዞም ወገናት ንምንጋፍ ዘካየዶ ጻዕሪ ከምዘይ ይመስል ብፍላይ ነቶም ስራሕተኛታት ኤምባሲ ዝነበሩ?
ስቲቨን
ኣቐዲመ ከምዝሓበርኩዎ፣ ንናይ ፈይስቡክ ገጽ ኤምባሲና እትከታተሉ ክሉኹም’ዉን ከምእትዕዘብዎ ፣ ብዛዕባ እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት፣ ጋዜጠኛታት ከምኡ’ዉን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ቀጻሊ ንጠቅስን ፣ መንግስቲ ኤርትራ ፍታሕ ከምጽእ ንጽዉዕን ኢና ። ኣቐድሚ ነዚ ዋዕላ ኣብ ዘሕልፍክዎ መልኽቲ እዉን ኣስማት ናይ’ቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ጸዊዐ ነይረ። ከምዝበልኩዎ፣ ኣብ ከዉሊ ብዝከየድ ዲፕሎማሲ እቲ ጉዳይ ፍታሕ ኽርከቦ ቀጻሊ ይስራሕ ኣሎ ። ኣበይነናይ ደረጃ ተበጺሑ ምህላዉ ኪሕብር ዝፍቀደኒ ኣይኮነን ፣ ግና ዓይነይ ተኺለ ኪሕብረኩም ዝደሊ ነገር እንተልዩ፣ ኩሎም እቶም ብሰንኪ ፖለቲካዊ ይዂን ሃይማኖታዊ ተኸታልነቶም ከምኡ’ዉን ሓሳቦም ብነጻ ስለዝገለጹ ብዘይፍርዲ ንዓመታት ኣብ ሞቚሕ ዘለዉ ኤርትራዉያን ከምዘይረሳዕናዮምን ክንርስዖም ከምዘይኮናን እዩ።
ለይላ
ካብ ተዕዝብትና ዝሰዓበት ካልእ ሕቶ፣ ኣብ ዉሽቲ ኤርትራን ወጻኢን ዘሎ ደሞክራስያዊ ጻዉዒት ካብ መንግስቲ ኣመሪካ እንታይ ዓይነት ደገፍ ኽረክብ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ሃዋህዉ ክረጋግጽን ኣብ ዞባና ርግኣት ንኽሰፍንን’ከ ብኸመይ ሓቢርና ክንሰርሕ ይከኣል?
ስቲቨን፣
መጻኢ ኤርትራ ብኤርትራዉያን ጥራይ እዩ ኽዉሰን ዝኽእል። ንሕቶኺ የመስግን!
ሄኖክ፣
ኤርትራ ካብ’ተን ዝደኸያ ሃገራት ዓለምና ኮይና ዝበዝሐ ክፋል ህዝባ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ድኽነት ዝናበር ዘሎ እዩ። ስለምንታይ ይኸዉን፣ መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ሕሰም ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ ሰብኣዊ ሓገዝ ካብ ምሃብ ቦኺሩ ዘሎ። ከም ንፈልጦ ኣመሪካ ንብዙሓት ሃገራት ሰብኣዊ ሓገዝ ኽትቅርብ ትርአ እያ!?
ስቲቨን
ኣገዳሲ ሕቶ እዩ። ሓቂ’ዩ ናብ ኤርትራ ብቐጥታሰብኣዊ ረዲኤት ኣይንስዽን ኢና እዲ ድማ ካብ ክልተ ምኽንያታት ዝብገስ እዩ። እቲ ቀዳማይ ካብ ኤርትራ ዝኾነ ጠለብ ስለዘይመጽእ፣ እቲ ካልኣይ ድማ መንግስቲ ኤርትራ USAID ኣብ 2005 ካብ ሃገር ስለዘሳጎጎ ። ስለዚ ናብ ኤርትራ ብቐጥታ ኽንልእኮ እንኽል ሰብኣዊ ሃገር ቅዩድ እዩ። እንተኾነ፣ ንህዝቤ ኤርትራ ምሕጋዝ መርገጺና ስለዝኾአ፣ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ወይ ብኻልኣይ ኣካል ሓገዝ ካብ ምግባር ኣይተቘጠብናን። ግዜ ከይበልዓልኩም ናብ ዝርዝራት ኪኣቱ ኣይደልን፣ መንግስቲ ኣመሪካ ግን ንሓያለ ፕሮግራማት ናይ’ተን ኣብ ኤርትራ
ዝነጥፋ ትካላ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገንዘባዊን ዓይነታዊን ሓገዝ ይቕርብ እዩ። ከምዝፍለጥ ኣመሪካ ካብ መራሕያን መወልቲ ናይ ከም ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት፣ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከምኡ’ዉን ዩኒሰፍ ዝበላ ትካላት ሕቡራት ሃገራት እያ። እተን ትካላት ድማ ኣብ ዉሽጢን ስደትን ንዝርከቡ ኤርትራዉያን ኣብ ምድጋፍ ተጊሀን ይሰርሓ ምህላወን ይፍለጥ። ብዘይካዚ ኣመሪካ ኣብ ቀረብ ክታበታት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንዝጽዕቱ ክልተ ዓበይቲ ፕሮግራማት ሕቡራት ሃገራት ልዑል መጠን ገንዘብ ትቕርብ ኮይና፣ ኤርትራ ካብ’ቶም ፕሮግራማት ተረባሒት እያ። ኣብ ኤርትራ ተመዝጊቡ ዘሎ ዘዕግብ ሸፈነ ክታበት ተመሓላለፍቲ ሕማማ ድማ ናይዚ መርኣያ እዩ። ብተወሳኺ ኣመሪካ ብመንገዲ USAID ነቲ ኣብ ምምካት ወራር ኣንበጣ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዓለመ ገዚፍ ወፍሪ ብምድጋፍ ጎረባብቲ ኤርትራ ንዝኽሰቱ ወራራት ኣንበጣ ኽምክታ ብምሕጋዙ ናብ ኤርትራ ክልሕም ንዝኽል ዝነበረ ሓደጋ ገቲኡ እዩ ።
ሄኖክ፣
ኣብ ትግራይ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ምንባሮም ይፍለጥ። እዞም ስደተኛታት በቲ ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ሞንጎ ተራጽምቲ ሓይልታት ተቐርቂሮም ኣብ ቀጻሊ ሓደጋ ይርክቡ። እዞም ስደተኛታት ናብ ዉሕስቲ ሳልሳይ ሃገር ንምግዓዞም ዛጊት ዝተወስደ ስጒምቲ የለን እሞ፣ መንግስቲ ኣመሪካ ነዞም ስደተኛታት ናብ ሃገሩ ይዂን ናብ ካልኦት ሃገራት ብመስርሕ ዳግመ ሰፈራ ንምግዓዞም ዝሓሰቦ መደብ ኣለዶ?
ስቲቨን፣
ብዛዕባ መንግስቲ ኣመሪካ ንጸገም እቶም ኤርትራዉያን ስደተኛታት ንምፍታሕ ዝወስዶ ስጒምቲን ዝሓለኖ መደብን ብዝምልከት ንጹር ሓበሬታ የብለይን። እንተኾነ፣ ኣመሪካ ካብ ቀዳሞት ደገፍቲ UNHCR እያ፣ ብዘይካዚ ንጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ናይ ክፍሊ ወጻእኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣካል ኣሎ፣ ስለዝኾነ እቲ ኣካል
ምስ UNHCR ብቐርባ እንዳሰርሐን ገንዘባዊን ዓይነታዊን ሓገዛት እንዳገበረን ንጸገማት እቶም ኣብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኤርትራዉያን ኣብ ምዝላቕ ይደጋገፍ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ኣዲሳበባ ዝርከብ ኤምባሲና ምስ ካይሮ ዝርከብ ኤምባሲና ብምትሕብባር ንድሕነት እቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ጸገም ዝርከቡ ኤርትራዉያን ወጋንት ይሰርሑ ኣለዉ። ብሓፈሻኡ ንቀርኒን ምብራቕን ኣፍሪቃ ንምሕጋዝ ን UNHCR 150 ሚልዮን ዶላር ሂብና ኣሎና። በቲ ኾይኑ በቲ ኣመሪካ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ተወሳኺ ምምዝባል ኤርትራዉያን ስደተኛታት ከምዘስዓበ ትኣምን እያ፣ እኹል ሰብኣዊ ደገፍ ኣብ ምቕራብ ድማ ዘዂርዕ ስራሕ ትሰርሕ ምህላዋ ኽገልጽ ደስ ይብለኒ።
ለይላ፣
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ሳላሳ ዓመታት ፡ ጠንቂ ኩሎም ማሕበረቊጠባዊን ፖለቲካዊን ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ ኣመሪካን ወኪል ስለያ እታ ሃገር CIAን ምዃኖም እዩ ዝኸስስ። ከም ሳዕቤኑ ሓያለ ኤርትራዉያን ብዛዕባ ኣመሪካ ኣሉታዊ ርድኢት ክዉንኑን ኣብ መንግስቲ ኣመሪካ ዘለዎም እምነት ኸግድሉን ጸኒሖም። ነቲ ዘይምትምማን ንምምላስ ብቤት ጽሕፈትኩም ዝግበር ጻዕሪ ኣሎዶ? ኣመሪካ ኸ ፣ ከምቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኸሶ ፣ ኣብ ምሕሳም መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ተራ ነይሩዎ ድዩ ?
ስቲቨን፣
ሰብስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ በዚ ጉዳይ ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ምንዛሕን ፡ ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ዘይመልክዑ ከትሕዝዎ ኣብ ምፍታንን ብዙሕ ሰሪሖም እዮም። ክሳብ ኣብ ስርዓታት ትምህርቶምን ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ ኣብ ዝወሃብ ፖለቲካዊ ትምህርቲን ፣ ኣመሪካ ከም ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ዘቐምጥ ርድኢት ንምስራጽ ጽዒቶም። እዚ ኣብ መረዳእታ ህዝቢ ኤርትራ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣይመጽአን ክበሃል ኣይከኣልን። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን። እቲ ጸገም ህዝቢ ነቲ ሓቂ ንኽርዳእ ዘኽእሎ ኣምራጺታት ሓበሬታ የብሉን። ህዝቢ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝወሃብ ጠቐነታት ክብድህ ዘኽእሎ መድረኽ ተኸሊኡ እዩ። ብናተይ ገምጋም እቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ነዊሕ ዝተሰርሓሉ ጸለመ ብምሉእ ብምሉእ ኣይተዓወተን በሃላይ እየ። ተዝዕወት ንሓሶታትን ዕጽዋ ሓበሬታን እቲን መንግስቲ ዝብድሃ ከም ኤሪሳት ዝኣመሰላ ኣምራጺታት ሓበሬታ ኣይምሃለዋን። ስለዚ እቲ ኣነ ኽገብሮ ዝኽል ፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ንዝወሃብ ግቡይ ሓበሬታን ምእራምን ሓቁ ምቅላዕን፣ ከምኡ’ዉን ከም ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ዝህቦም ጥምዙዛት ሓበሬታታት እንሻዕ ምብዳህን እዩ።
ነታ ካልኣይቲ ሕቶኺ ንምምላስ፣ ብናተይ ርድኢት ናብ መጻኢ እንተጠመትና ይሓይሽ በሃላይ እየ። ርግጸኛ እየ ኩልና ብዛዕባ ኣብ ሕሉፍ ዝተፈጸሙ ሕጉሳት ኽንከዉን ኣይንኽልን ነዊሕ ተጸባጺብና እዉን ዝርከብ ፍረ ዳርጋ የለን ። እቲ ዝበለጸን ዝሓሸን ግን ንቕድሚት ክንጥምት እንተኺእልና ጥራይ እዩ ክጭበጥ ዝኽእል። ኣብ’ዚ ሕጂ ሰዓት ከመይ ኢልና ብሓባር ንሰርሒን መጻኢ ኤርትራ ዝሓሸ ከምዝኸዉን ነረጋግጽን ክንብል ይግባእ። ብዙሕ እዋን ዝተሓሳስበኒ ነገር ኣሎ፣ ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ብዛዕባ እቲ ኣብ 1951 ብጆን ፎስተር ዳላስ ዝተዋህበ ፣ ብዓይኒ ፍትሒ ኤርትራ ነጻነታ ክትረክብ ነይሩዋ ንስለ ሃገራዊ ረብሓ ኣመሪካ ግን ምስ ኢትዮጵያ ክትሓብር ደጊፍና ዝብል መግለጺ ቀጻሊ እንዳልዓሉ ቅድሚ 70 ዓመታት ንዝተፈጸመ ጌጋ ክደጋግሙ ይሰምዕ። ይርደእኣኒ እዩ ፣ ኤርትራዉያን ብዛዕባ እቲ ሽዑ ዝተፈጸመ ጌጋ ቂም ክሕዙ። ኣብ’ቲ እዋን ግን ዝሑል ኲናት ዝፍልመሉ ብምንባሩ ምቛም መዓስከር ቃኘዉ ኣብ ኣስመራ ልዕሊ ኻል ጉዳይ ኣገዳሲ ነይሩ ፣ ነዚ ሃገራዊ ረብሓ ንምስኻዕ ድማ ነቲ ናይ ሽዑ ዉሳኔ ወሲድና። ቅድሚ 70 ዓመታት ምስ በዓል ጥልያንን ጃፓንን እዉን ኣብ ኲናት ኔርና ኢና ኡኮ፣ ሕጂ ግን ኣብ ከመይ ዝበለ ምሕዝነት ንርከብ ኣሎና ንኹሉ ፍሉጥ እዩ።
ከም ሚኒስተር ዜና ዝበሉ ሰብስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ግን ፣ ኣምሪካ ካብ 50ታት ጀሚራ ክሳዕ እዛ ሰዓት እዚኣ ኣንጻር ኤርትራ ትሰርሕ ምህላዋ እዩም ግጉይ ክስታት ዘቕርቡ። ኣመሪካ ኣብ ፈለማ 1990ታት ንናጽነት ኤርትራ ካብ ዝተቐበለትን ኣብ’ተን ቀዳሞት ዓመታት ድማ ምስ ኤርትራ ብሓባር ዝሰርሐትን እያ። ከም ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ራምስፈልድ ከምኡ’ዉን ሂላሪ ክሊንተን እኾ ናብ ኣስመራ በጺሖም እዮም። ኣብተን ቀዳሞት ዓመታት ነጻነት እኮ ትካላት ረድኢት ኣመሪካ ናብ ኤርትራ ኣትየን እየን፣ ኣብ ወተሃደራዊ ሸነኽ እዉን ሓባራዊ ንጥፈታት ፈሊሞም ነይሮም እኮ እዮም። ስለዚ እቲ ኣብ 1950ታት ዝተወስደ ዉሳኔ ኣብ 1990ታት ድማ ብሽርክነትን ምቅርራብን ክትካእ ተራእዩ ዶ ኣይኮነን። ምስ ኤርትራ ዘለና ዝምድና ክብል ለጥቕን ክብል ምጽናሑ ክንርዳእ ይግባእ ፣ ድሒሩ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘረሓሓቐና ጉዳይ ድማ ካብ ዝኾነ ሰብ ሕቡእ ኣይኮነን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንደሞክራስያዊ መስርሕ ሃገር ክዕንቅፍን ንፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታት ኣሲሩ ንመሰልን ነጻነታትን ዜጋታት ክጭፍልቕ ምስ ጀመረ ኢና ተረሓሒቕና። ኣብ 2005 ከባቢ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝይምርግጋእ ዞባ ኣፍሪቃ ኪነጥፍ ብምጅማሩ ኣመሪካ ምስ ካልኦት ሃገራት ምዕራብ ብምዃን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ከይተረፋ ዝደገፍኦ እገዳታት ኪሓልፍ ወሲና። ኣብ መወዳእታ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ምትትታዉን ግህሰትን ንምግታእ ድማ ኣብ ልዕሊ 4 መሓዉራትን መንግስትን 2 ላዕለዎት ወተሃደራዉያን ሓለፍቲን ቊጠባዊን ዲፕሎማስያዊን እገዳታት ኣሕሊፍና።
ካልእ ሰበስልጣን ኤርትራ ዘቕርብዎ ክሲ ፣ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ባድመን ፈጽሚ ዉሳኔ ኮሚሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራን ዘርኣየቶ ቡክራት እዩ። ጉዳይ ባድመ ኣዝዩ ዝተሓላለኸን ብኹሎም ውገናት ድማ ዝተፈላለየ ትርጉም ክወሃቦ ዝጸንሐን እዩ። ድሕሪ ስምምዕ ኣልጀርስ ዝቘመ ኮሚሽን ዶብ ካብ ክልቲአን ሃገራት ድሕሪ ዝኣከቦ መርትዖ ኣብ 2002 ባድመን ከባቢኣን ዋንነት ኤርትራ ምዃኑ ቀያዲን ናይ መወዳእታን ዉሳኔ ወሲኑ እዩ። ኣመሪካ ድማ ኽልቲእአን ሃገራት በቲ ዉሳኔ ኽግዝኣ ከምዘለወን እያ ትኣምን።
ሄኖክ
ኣመሪካ ኣብ ምዉሓስን ምርግጋጽን ርግኣት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብተገዳስነት ከምትሰርሕ እዩ ዝንገር። ብዙሓት ድማ ምነግስቲ ኤርትራ ነዚ ንምዕንቃጽ ብመሪሕነት ከምዝዋሳእ እዮም ዝኸሱ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ዝተራየ ቅሉዕ ወተሃደራዊ ተሳትፎ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ፣ በቲ ኲናት ንዝስዕብ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ኣብ ምዝያድ ልዑል ተራ ነይርዎ። ብዙሓት ድማ፣ ኣመሪካ ነቲ ብስርዓት ኢሳያስ ዝኸይድ ዘሎ ዕንደራ ዕሽሽ ትብሎ ኣላ ይብሉ፣ ስለዝኾነ፣ ኣመሪካ ነዚ ዕንደራ ንምግታእ እንታይ ፖሊሲ ወይ ስትራተጂ ኣለዋ? ብሓጺሩ፣ ኣመሪካ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ክሰግሮ የብሉን ትብሎ ቀይሕ መስመር ኣለዋ’ዶ?
ስቲቨን
መንግስቲ ኣመሪካ ብቐጥታን ብመንገዲ ፍሉይ ልእኹ ኣብ’ዚ ዞባን፣ ኹሎም ተራጸምቲ ሓይልታት ኲናት ደዉ ኣቢሎም ናብ መኣዲ ጸተ ክመጽኡ ንምድራኽ ብዘይዕረፍቲ ይሰርሕ ኣሎ። ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ ፣ ኣብ ኣስመራን ኣዲሳበባን ዝርከብ ኤምባሲታትና ፡ ንፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብዚ ዞባ ወሲኽካ እቲ ጉዳይ ሰላማዊ ፍታሕ ረኺቡ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ንምዝላቕ ቀጻሊ ጻዕሪ እዩ ዝግበር ዘሎ። ነዚ ንምክዋን ካብ ንጥቀመሉ ዘለና ቀንዲ መሳርሒ ድማ ፣ ዲፕሎማሲ እዩ። ፍሉይ ልኡኽ ፈልትማን ኣብ ወርሒ ግንቦት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኣስመራ መጽዩ ነይሩ ፣ ብሓባር ኮይንና ድማ ንፕረዚደንት ኢሳያስ ረኺብና። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ብኸመይ ይርእዮ፣ ዘለዎ ስክፍታታትን ዘስተብህለሎም መፍትሒታትን እዉን ሰሚዕናዮ። ናትና ርድኢትን ግንዛቤን እዉን ኣካፊልናዮ። ኤርትራ ሰራዊታ ካብቲ ኲናት ኽትስሕብ ከምዘለዋ ንምማን እዉን ጽዒትና። ምኽንያቱ ምጽናሕ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ’ታ ብኲናት ተሰኒፋ ዘላ ኢትዮጵያ ፣ ነገራት ኸብእስን ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ኸጋዽን እንተዘይኮይኑ ከምዝጽኦ ዝኽል ረብሓ ኣሎ ኢልና ስለዘይንኣምን።
እቲ ኻልኣይ መሳርሒ፣ እገዳ እዩ። ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ምዝዛም ዝሓለፈ ዓመት ዝኸተሞ ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ነይሩ። እቲ ትዛዝ – ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ሰልማዊ ፍታሕ ንኸይርከቦ ኣብ ልዕሊ ዝሰርሑ ወገናት ይዂን ዉልቀሰባት ተረርቲ እገዳታት ኪሓልፍ ዘፍቅድ እዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ 4 ትካላትን መንግስቲን ክልተ ወተሃደራዉያን ሓለፍቲን ኤርትራ ዝተወስደ ስጒምቲ ድማ ናይዚ ኣብነት እዩ።
ለይላ፣
ከምዝፍለጥ ብዙሓት ኤርትራዉያን ድለይቲ ፍትሒ ኣብ ስደት ፋሕ ኢሎም ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ይሰርሑ ኣለዉ፣ እዚ ንረብሓ ኣመሪካ ብኸመይ ክጸልዎ’ዩ ትብል!
ስቲቨን፣
ሕጂ’ዉን ደጊመ ክብሎ ዝኽእል፣ መጻኢ ኤርትራ ብኤርትራዉያን ጥራይ እዩ ኽዉሰን ዝኽእል።
ሄኖክ፣
ከምዝፍለጥ ኤርትራ ምስተን ንወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ዘይተቛወማን ሓሙሽተ ሃገራት እያ። ምስ’ዚ ብዝተተሓሓዘ ፣ ሩስያን ቻይናን ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ ልዑል ተገዳስነት የርእያን ህላወኤን ኣብቲ ከባቢ ንምርግጋጽ ዓጢቐን ይሰርሓን ኣለዋ። እዚ ምስቲ መንግስቲ ኤርትራ ምስዘን ክልተ ሃገራት ዘዛይዶ ዘሎ ምጽግጋዕ ተደሚሩ ንረብሓ ኣመሪካ ኣብዚ ዞባ ብኸመይ ክጸልዎ እዩ ትብል።
ስቲቨን፣
ነዚ ሕቶ ንምምላስ ፈለማ ንዓለማዊ ፖሊሲ ኣመሪካ ከብርህ ኣፍቅደለይ። ኣመሪካ ብሕጊ ዝግዛእ ኣህጉራዊ ኣካይዳ እያ ትድግፍ። ንኣህጉራዊ ሕጊ ይኹን ስምምዕ ዝዉክሉ መትከላት ፡ በቲ መትከላት ዝግዛእ ትካላዉነትን ሽርክነትን ድማ ኩላሳዕ ምስ ደገፍና ኢና። እዚ’ዩ ሓፈሻዊ ምስሊ ዓለማዊ ፖሊሲ ኣመሪካ። ናብ ኣፍሪቃ ምስንመጽእ፣ ኣመሪካ ኣብ ምሕያል ቊጠባዊ ልምዓት፣ ጥዑይ ምሕደራ፣ ሰብኣዊ መሰላትን ጽቡቕ ታሪኽ እዩ ዘለዋ። ንሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ከም መሻርክቲ ኢና ክንርአን ንፍትን። ምስዘን መሻርኽቲ ሃገራት ድማ ቀዳምነታት ኣብ ዝወሃቦም ከም ጥዕና፣ ክሊማዊ ለዉጢን ካልን ዝበሉ ክንሰርሕ ንጓየ። ነዚ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘሎናሽርክነት እንዳኽበርና ግን ፣ እተን ሃገራት ምስ ካልኦት ሓያላት ሃገራት ክዛመዳን ተመሳሳሊ ሽርክነትን ኽገብርና ኣይንኽልክልን ኢና። ንመሻርኽትና እዉን ወይ ንዓና ወይ ንሩስያን ቻይናን ምረጹ ኣይንብልን ። ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ኤርትራ ሓዊስካ ልኡላትን ክሩዓትን ሃገራት ምዃነን ኣሚንና ንዝምስርተኦም ክልተኣዊ ዝምድናታት ኽንቈጻጸር ኣይንፍትንን ኢና።
እቲ ሓቂ ከምዚ እንዳኾነ ግን፣ ኣብቲ ዘልዓልካዮ ነጥቢ ተመሳሳሊ ስክፍታታት እዩ ዘሎኒ። መንግስቲ ኤርትራ ንምንታይ ንሓንቲ እትወርር ዘላ ሃገር ክድግፍን ምስኣ ኽጸጋጋዕን መሪጹ ኣዝዩ ዘሰንብድ እዩ። መንግስቲ ኤርትራ ኣብ’ቲ ወራር ሩስያ ንምዃናን ዝተጋብአ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ሰለስተ ኣርባዕተ ሃገራት ብምዃን እዩ ኣይፋል ኣድሚጹን ምስ ሩስያ ወጊኑን። ቻይና’ኳ ከይተረፈት ድምጻ ዓቂባ እንከላ። ፈለማ እኳ ኣብ ምንጋር ዉጽኢት ድምጺ ጌጋ ዝተፈጥረ እዩ መሲሉኒ ነይሩ ድሕሪ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ኣኼባ እዉን ኤርትራ ጽግዒ ሩጽያ ምሓዛ ምስተነግረ ኣዝዩ ኣተሓሳሲቡኒ። ከመይ ኢላ ኤርትራ ፣ ንሓንቲ ሓያል ስለዝኾነት ንድኽም ዝበለት ዩክሬን እትወርር ዘላ ሩስያ ትድግፍ ? ፍጹም ዘይወጠልካ ነገር እዩ። ኤርትራ ኣካል ናይቲ ዓለማዊ ግዝኣተ ሕጊ ክህሉን ሃገራት ብሰላም ክነብራ ዝሰርሕን ማሕበረሰብ ዓለም እንከላ ከመይ ኢሉ’ዩ መንግስቲ ኤርትራ ንወራር ሓንቲ ሃገራ ኣብ ልዕሊ ካልእ ዝድግፍ ።
ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ብዛዕባ ኤርትራ ዝወሰደቶ መርገጺ ኣመሪካ ነዊሕ መግለጺ ክህብን ማዕከናት ዜና ኤርትራ ነቲ ብመንግስቲ ሩስያ ዝወሃብ ግጉይ ሓበሬታ ከጋውሓን እዉን ንርእይ ኣሎና። ንምናትይ እዩ መንግስቲ ኤርትራ ነታ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢን ትሕተቅርጺን ዩክሬን ሚሳይላት ትድርብይ ዘላ ሩስያ ዝድግፍ ዘሎ ግን ፍጹም ክርደእኣኒ ኣይከእኣለን።
ለይላ፣
ካብ ምጭዉቲ ከተማና ኣስመራ ኢኻ ተዉገዓና ዘለኻ፣ ካብ ትዕዝብትኻ ኲነታት ኮቪድ-19 ከመይ ኣሎ! ኣብ ትሕቲ ቊፅር ኣትዩ ዶ ትብል?
ስቲቨን፣
ናይ ጥዕና በዓል ሞያ’ኳ ኣይኮንኩን! ግን፣ ካብ ትዕዝብተይ ፣ እዋናዊ ኩነታት ኮቪድ-19 ጸቡቕ ኣሎ ክብል ይኽልየ። ንነገር ሓቂ፣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ከም ሰብኣዊ መሰላትን ካልን ዝብሉ መዳያት ንነቅፍ እኳ እንተኾንና፣ እቲ መንግስቲ ቅልውላዉ ኮቪድ ንምግታእ ኣብ ዝተኸተሎ ኣተሓሕዛ ግን ኣድናቖት ኣለና። ጽቡቕ ስራሕ ክስራሕ እንከሎ ኣፍልጦ ምሃብ ግቡእ እዩ። ሽሕኳ መንግስቲ ኤርትራ ንምናትይ ክታበታት ኮቪድ-19 ናብ ኤርትራ ከይኣቱ ይኽልክል ኣሎ ዝርደኣና እንተዘይኮነ፣ ብሓፈሽኡ ኣብ ምክልኻል እቲ ሕማም ዘዕግብ ስራሕ ከምተሰርሐ ንኣምን። ብዘይካ’ዚ መንግስቲ ኤርትራ መጠን ሞት ኣዴታትን ዕሸላትን ኣብን ድሕሪን ሕርሲ ኣዝዩ ኽጎድል ገይሩ ምህላዉ ክምስገን ግቡእ እዩ። ከምኡ’ዉን መጠን ምኽታብ ህጻናት ኣብ ኤርትራ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ብምዉዻር እቲ ዝለዓለ ብምዃኑ ተወሳኺ ምስጋና የድሊ። ኣብ ምርግጋጽ መሰልን ማዕርነትን ደቀንስትዮ እዉን መንግስቲ ኤርትራ ዘይነዓቕ ዓወት ኣመዝጊቡ እዩ።
ብተወሳኺ፣ ኣብ ምኽባር ብዙሕነት ባህልን ልምድን ሃይማኖትን ብሄራት ኤርትራ ብዙሕ ይስራሕ ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ኣርባዕተ ሃይማኖታት ፍቚዳት ኮይነን ተኸባቢረን ኪኸዳ ምርኣይ ባህ ዘብል እዩ። ኣብዚ ፈላሊና ክንርዮ ዝግበኣና ግን ፣ ኣብ ኤርትራ ብዙሕነት ሃይማኖታት እምበር ነጻነት ሃይማኖት ከምዘየለ እዩ። ሰባት ዝመሰሎም ሃይማኖት ክኽተሉን ከምልኹን ገበን እዩ ኣብ ኤርትራ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከምቲ ኣብ ምኽባር ብዙሕነት ባህልን ሃይማኖትን ዝረጋገጾ ዓወት ኣብ ነጻነት እምነት እዉን ምምሕያሻት ከዛይድ ንጽዉዕ ።
ሄኖክ፣
ተለቪዥን ኤሪሳት ናይ ተቛወምቲ ሚድያ እያ፣ ኣብዛ ተለቪዥን ቀሪብካ ምዝራብካ ከምጸኣልካ ዝኽል ሳዕቤን ኣሎ ድዩ? ብፍላይ ካብ መንግስቲ ኢርትራ? ምኽንያቱ ብዙሓት ደገፍቲ መንግስቲ ፣ ተቐባልነትካ ተሓዲጉ ኪትጥረዝ ክጽውዑ ይስማዕ ስለዘሎ ! ናብ’ዚ ምምጻእካ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዝመጸካ መጠንቀቕታ ኣሎ ድዩ? ፈጻሚ ስራሕ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኣብ’ዚ ናይ ተቛወምቲ ተለቪዥን መጽዩ ምዝራቡ’ኸ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ንዘሎ ህዝቢ እንታይ ዓይነት ትርጉም ወይ መልእኽቲ ከመሓላልፍዩ ትብል?
ስቲቨን፣
ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ክደጋግሞ ዝጸንሐ መርዳእታ ኣሎ፣ ንድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ዝጎሲ መራዳእታ ድማ’ዩ። ከምዝበልክዎ መጻእኢ ኤርትራ ቤርትራዉያን ጥራይ ዝዉሰንዩ ፣ ድሌት ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ክረክብ ምምናይ ጥራይ እዩ። ሓደ ክንገብሮ ዝግበኣና ግና ነቲ ክዉንነት ኣፍልጦ ምሃብ እዩ። ኩሉ ኣብ ስደትን ዉሽጢ ዓዲን ዝርከብ ኤርትራ ነቲ ሓቂ ይፈልጦ እዩ፣ ኣብ ናይ ሕጂ ኤርትራ ምንባር ከመይ ከምዝመስል ኣንዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ፣ ኣብ በበይኑ ኣጋጣሚታት ብመንገዲታት ማሕበራዊ መራኸቢ ይኹን ብኸምዚ ሎሚ ዝዛረበሉ ዘለኹ መድረኽ ደጋጊመ ከምዝገልጾ ድማ፣ ነቶም ድምጺ ተኸሊኦም ዘለዉ ወገናት ድምጺ ኣብ ምዃን ክንተሓጋገዝ ብእኡ ኣቢልና ድማ ነቲ ሓቒ ክንሕብር ከምዘለና እዩ። ይፈልጥየ፣ ሓቂ ኣብ ንዛረበሉ መንግስቲ ኤርትራ ንዘረባና ኣካል ናይቲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ስርዓት ንምቕያር እተካዶ ሽርሒ ክብል ምዃኑ፣ ንነገሩ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ስርዓት ናይ ምቕያር ባህጊ ይኹን መደብ የብላን። ድሌትና ግን ዝሓሸት ኤርትራ ምርኣይ እዩ። ብሕጊ ዝግዛእ መንግስቲ ምርኣይ፣ ብውሑዱ ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ ንቡር ግዜኡ ይመለስ ፣ ንምንታይ እዮም ዜጋታት ኣብ ቀጻሊ ባርነት ኽነብሩ ዝግበር ዘሎ። እዚ ዋላሓንቲ ልምዓት ዘየምጽእ ምዝመዛ ንጹራትን ተሓተቲን ቊጠባዊ ፖሊሲ ብምስራዕ ኽትካእ ዘይፍተን ። ፍጹም ኣይርደኣንን እዩ!!
ሃገራዊ ኣገልግሎት ደዉ ይበል ኣይኮናን ንዝብል ዘለና ፣ ምኽንያቱ ሓንቲ ሃገር ናይ ምክልኻል ዓቕባ ከተዉሕስ ዶባታን ልኣላዉነታን ክትከላኸል መሰላን ግቡኣን ብምዃኑ። ኣመሪካ ንልኣላዉነትን፣ መሬታዊ ሓድነትን ዶባትን ኤርትራ ተኽብር ምዃና እዉን ክርሳዕ የብሉን።
ለይላ፣
ፈጻሚ ስራሕ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኣቶ ስቲቨን፣ ኣብ’ዚ ተረኺብካ ሓስብካን ርእይቶኻን ከተካፍለና ምኽኣልካ ኣዚና ነመስግን። ኣብ ኻልእ ኣጋጣሚ ንዝሰፍሐ ትሕዝቶ ክንራኸብ ተስፋ ይገብር። ብሰንኪ ሕጽረት ግዜ ሕቶታትኩም ከነቕርቦ ዘይከእኣልና ገለ ተዓዝብትና ድማ ይቕሬታ ንሓትት!
ሄኖክ፣
ኣነ’ዉን ብግደይ ከምስግነካ እደሊ። ብዙሓት ሰባት ነቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ኴንካ ትገብሮ ዘሎኻ ኣበርክቶ ቀጻሊ እንዳመስገኑ እዮም። ብዙሓት ሰባት “ ድምጺ ናይ’ቶም ድምጺ ዝተኸልኡ ወገናት” እንዳበለ ከምዝጽዉዕኻ ድሮ ፈሊጥካ ትኸዉን ። በዚ ድማ ኣዚና ንሕበነልካን ብዉዕለትካ ዕግበት ከምዝስመዓናን እንዳገለጽና፣ ነዚ ትገብሮ ዘሎኻ ኣበርክቶ ብዝሓየል ክትቅጽሎ ንደሊ። ተበግሶ ኣመሪካ ብኻልኦት ክሰዓብ ልዑል ተኽሎ ኣሎ ኢልና ስለእንኣምን ድማ ካልኦት ኣብ ኤርትራ ዝነጥፋ ኤምባሲታት እዉን ኣሰርካ ክስዕባ ንትስፎ። ምኽንያቱ፣ ህዝብና ሽግሩ ኣብ ዉሽጢ ኮይኑ ዝነግረሉ ወገን የድሊዮ ኣሎ፣ ከምንፈልጦ ህዝብና ጸገማቱን ድሌትን ኸይገልጽ ዕድል ስለዝተኸልአ። ኣብ መወዳእታ – ክመጽእ ብዝኽእል ሳቤን ከይረዓድካ ኣብ ተለቪዥና መጺኣካ ደገፍካብ ሓሳብካን ስለዝሃብካን ብስመይን ብስም ኩሎም መሳርሕተይን አመስግነካ፣ ነዚ ቃለ መሕትት ኣብ ዩቱብን ፈይስቡክን ዝከታተልዎ ዘለዉ ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ከምኡዉን ኣብ’ዚ ዋዕላ ዝርከቡ ኣማእኢት ካልኦት እንዳመስገኑኻ እዮም። ምስ ሕጽረት ግዜ ዘየቕረብናዮም ሓያለ ሕቶታት ተዓዘብቲ ኣሎ፣ ተመሳሳሊ ዕድል እንተሂብካና ብዝሰፍሐ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ክንራኸብ ተስፋይ እዩ። ደጊመ ደጋጊመ ንዓኻን ነቶም ነዚ ቃለ-መሕትት ክዉን ክገብሩ ብዙሕ ዝሰርሑ ኣባላት ኤምባሲ ኣመሪካን ምስጋና ይኹንኩም እብል።