ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኡጋንዳ ንዝካየድ ዝነበረ ውድድራት ዋንጫ ኲዕሶ እግሪ ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ – ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ደቅ ኣንስትዮ ትሳተፍ ካብ ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሞሊቐን ዝሃደማ ሓሙሽተ ስፖርተኛታት ፣ ንህይወተን ብምስጋእ ገና ተሓቢአን ምህላወን ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ።
ዘ ጋርድያን ነተን ልዋም ሰለሞን፡ ዮርዳኖስ ኣብርሃም፡ ሻማት ፍጹም፡ ራሄል ሚኪኤልን ትርሓስ ሃብተን ዘስማተን ተጻወቲ ብቐረባ ካብ ዝፈልጡ ምንጭታት ንዝረኸቦ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ እተን ተጻወቲ ኣብ ውሑስ ቦታ እኳ እንተሃለዋ ገና ኣብ ከዉሊ ይነብራ ከምዘለዋ እዩ ኣረዲኡ።
ብ 2 ሕዳር 2021 ካብቲ ዝዕረፋሉ ኢንተርናሽናል ሆቴል ሳን ሰት ድሕሪ ምስዋረን፡ ካብ ወደብቲ እቲ ዞባዊ ውድድር ሓበሬታ ዝተዋህቦ ፖሊስ ኡጋንዳ ኣብ ምህዳነን ተዋፊሩ ምንባሩ ይዝከር።
ካብ ዓማጺን ኣባራዪን ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ሃዲሞም ኣብ ካልኦት ሃገራት ፖለቲካዊ ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ቊጽሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክዉስኽ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ጋዜጣ ዘጋርድያን ኣብ ሓበሬታኡ፣ ካብ 2009 ጥራይ ልዕሊ 60 ኣባላት ሃገራዉያን ጋንታታት ኤርትራ ንዞባዉን ኣህጉራዉን ውድድራት ኣብ ዝተላኣክሉ ኣጋጣሚ ከምዝሃደሙን ዑቕባ ከምዝሓተቱን ብምዝኽኻር፣ ኤርትራዉያን ደቀንስትዮ ስፖርተኛታት ኪሃድማ እቲ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር 2021 ንፈለማ ምንባሩ እዩ ዝሕብር።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ፡ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኣንገደ ዋንጫ ሴካፋ ደቂ ተባዕትዮ’ዉን 7 ኤርትራዉያን ተጻወትቲ ብተመሳሳሊ መንገዲ ተሰዊሮም ኣብታ ሃገር ዑቅባ ምሕታቶም ኣይርሳዕን።