ንሓድሽ ወተሃደራዊ መምርሒታት ተቛዊሞም ኣብ ክልል ዓፋር ናይ ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ካብ ዝጸንሑ ኣስታት 50 ኣባላት ናይ’ታ ኣብ ከባቢ ባዳ ዝቦታኣ ክፍለሰራዊት 67 ፡ እቶም 34 ብምሽምግልና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ  ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ ናብ ቦታኦም ክምለሱ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ 18 ግን ምምላስ ኣቕቢጾም ኣብ ከባቢ ሰመራ ድሕሪ ምጽናሕ ብምትሕብባር ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ መዓስከር ኣስዓይታ ኪዕቈቡ ከምእተገብረ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ ዓሰብ ሓቢሮም። 

ብመሰረት ዝበጽሓና ሓበሬታ፡ እቶም 18 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናብ ቤት-ጽሕፈት ጨንፈር UNHCR ሰመራ ድሕሪ ዘቕረብዎ ጠለብ እዮም መሰል ዑቕባ ተዋሒስሎ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኣስዓይታ ዝተጸንበሩ።

ንኩነታት እቶም ናብ ቦታኦም ዝተመልሱ ብዝምልከት ግን ዛጊት ዝተረኽበ ሓበሬታ የሎን።

እቲ ክፍለ-ሰራዊት ኣብ ምጅማር ወርሒ ሰነ ናብ ከባቢ ባድመ ኽግዕዝ ምዃኑ ድሕሪ ዝተዋህቦ ትእዛዝ ንዝተራእየ ተቛዉሞን ማእሰርቲን ገለ ኣዘዝቲ ስዒቡ፣ ልዕሊ ሓምሳ ዝኾነ ኣባላት ምስ ገለ መራሕቶም ናብ ክልል ዓፋር ናይ ኢትዮጵያ ብምስጋር ከምዝዓረዱን፡ ጸኒሖም እዉን ናብ ሓይልታት ክልል ዓፋር ከምእተዓቚቡን ተሓቢሩ እዩ።

ህግደፍ ፡ ፈለማ ነቶም ዝኣደሙ ኣባላት ሰራዊት ንምምላስ ዓበይቲ ዓዲ እዃ እንተሰደደ፣ እቶም ኣባላት ምስ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ሜጀር ጀነራል ሑመድ መሓመድ ካሪካረ ጥራይ ኪዘራረቡ ከምዝደልዩ ስለዝሓበሩ፣ እቲ ጀነራል ምስ ገለ ካልኦት ሓልፈቲ ብሄሊኮፕተር ናብ ክልል ዓፋር ከምዘምርሐን ከምእተመያየጠን ይዝከር።

ኣብ ባዳን ካልኦት ከባቢታት ኣጻምእ ደንከልን ዝርከባ ኣሃዱታት ፣ ነዊሕ ዓመታት ኣብ’ቶም ከባቢታት ዝዓስከራን፡  ንባህሪን በዳሂ ኩነታት ኣየርን እቶም ከባቢታት ዝተመሳሰልኦ ከምዝኾነናን እዩ ዝግለጽ።

ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ኣሃዱታት ሓይልታት ባሕሪን ምድሪን ፡ ካብ’ቲ ከባቢ ክቕየራ ኣብ ዝሕተታሉ እዋን ብቐጻሊ ከምዝቃወማ ይንገር። 

ኣቕድም ኣቢሉ እዉን ዳርጋ ኩሎም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ዓሰብ ንዘሎ መደበሮም ገዲፎም ንዕረፍቲ ኪፋነዉ ኣብ ዝተሓስበሉ ፣ ካብ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ጀሚርካ ዝበዝሑ ኣባላት ነቲ ሓሳብ ከምእተቛወሙ ይዝከር።