ሰራዊት ሱዳን ኣብ ኣሳሓሓቢ መሬት ኣልፋሻጋ ተሪፎም ኣለዉ ኣብ ልዕሊ ዝበሃሉ ሰራዊት ኢትዮጵያ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ ሱዳን-ትሪብዩን ገሊጹ። እቲ ብ28 ሰነ ጀሚሩ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ሓደ ሲቪል ምስ 7 ወተሃደራት ሱዳን ብሰራዊት ኢትዮጵያ ከምእተረሸኑ ብመንግስቲ ሱዳን ንዝወጽአ ኽሲ ስዒቡ ዘጋጥም ዘሎ እዩ።
ብሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብቲ ኣሳሓሓቢ ከባቢ ተማሪኾም ዝተወስዱ 7 ወተሃደራት ሱዳን ምስ ሓደ ሱዳናዊ ሲቪል ክርሸኑ ተግይሩ ሬሳኦም ኣብ ጎደናታት ተደርቢዩ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ኣብ መናጽፍ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርጋሑ፣ ሱዳን ኣብ ባይታ ዝርአ ተሪር ግብረመልሲ ክትህብ ምዃና ወተሃደራዊ መራሒ መሰጋገሪ መንግስቲ እታ ሃገር ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃን ኣጠንቂቚ ነይሩ እዩ።
እቶም ተረሺኖም ዝበሃሉ ሱዳናዉያን ፣ ምስ ኣብ’ቲ ከባቢ ንሓለዋ ኢትዮጵያዉያን ሓረስቶት ዝወፈሩ ምልሻታት ድሕሪ ምትዃሶም ዝተቐትሉ ኣምበር ተማሪኾም ዝተረሸኑ ከምዘይኮኑ ዝምጉት መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ሱዳን ህዉኽ ግብረመልሲ ካብ ምዉሳድ ተቘጢባ ኣብ ምጽራይ እቲ ፍጻሜ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓባር ክትሰርሕ እዩ ክጽዉዕ ጸኒሑ።
ድሕሪ’ቲ ናይ 22 ሰነ ተርእዮ፣ ሱዳን ንኣምባሳደራ ካብ ኣዲሳበባ ከምዝሰሓበት ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ከባቢታት ኣልፋሻጋ ከፊትዎ ዘሎ መጥቃዕቲ ድማ ትግባረ ናይ’ቲ ክወስዶ ምዃኑ ከጠንቅቐሉ ዝጸንሐ ተሪር ግብረመልሲ ከምዝኾነ ሱዳን ትሪቡን ሓቢራ ኣላ።
በቲ ተኸፊቱ ዘሎ መጥቃዕቲ፣ ሰራዊት ሱዳን – ሰፈራታት ጋላ-ለባንን ባርካትን ከምኡ’ዉን ጎቦታት ተስፋይ-ኣዳዊ ዝተባህሉ ከባቢታት ኣልፋሻጋ ተቘጻጺሩ ከምዘሎ እያ ሱዳን ትሪብዩን ትጠቅስ።
ኲናት ሕድሕድ ሃገሩ ኣብ ምዕራፍ ሽግር ዘሕልፍ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ በዚ ሓድሽ ክስተት ኣብ ዝበኣሰ ጸበባ ኪሽመም ከምዝኾነ እዮ ዝሕበር ዘሎ።
ድሕሪ’ቲ ናይ 22 ሰነ ቅትለት ፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደል ፋታሕ ኣልሲሲ ናብ ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃን ብምድዋል ናይ ጽንዓት ይሃብ መልእኽቲ ከምዝሰደደ ክፍለጥ እንከሎ፣ ምስ ሱዳን ተጻጊዓ ንኣካይዳታት ኢትዮጵያ ኣብ ምሕደራ ማያዊ ትሕዞ ፈለግ ኒል ከተዉድቕ እትጽዕር ዘላ ግብጺ፡ ነዚ ሓድሽ ወጥሪ ናብ ረብሓኣ ከተዉዕሎ ከምእትክእል እዮም ብዙሓት ወገናት ዝግምቱ።
ናይ 1902ን 1903ን መግዛእታዊ ዉዕላት ዶብ ብኽልቲአን ሃገራት ኪኽበር ዝግድድ ስምምዕ ኣብ 1972 ከምእተኸተመ እትገልጽ ሱዳን፡ ብመሰረት ኣቶም ዉዕላት ስቡሕ ሕርሻዊ መሬት ከምዝዉንን ዝንገረሉ ኣል-ፋሽጋ ግዝኣታ ከምዝኾነ እያ ትኣምን።
ኢትዮጵያዉያን ሓረስቶት ንመሬት ኣልፋሻጋ ንልዕሊ 27 ዓመታት ብዘይወግዒ ኪረብሕሉ ከምዝጸንሑ እትገልጽ ሱዳን፣ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ፡ እዚ ማለት ካብ ምጅማር ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ነቲ መሬት ኣብ ቊጽጽራ ኣእትያቶ ትርከብ።