ኣብ ከባቢታት ኣልፋሻጋ ንዝተረፉ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንምርሓቕ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ጀሚሩ ዘሎ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፡ ነቲ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ስርዓት ክምለስ ብዝጽውዑ ወገናት ንጽባሕ 30 ሰነ ተመዲቡ ዘሎ ህዝባዊ ተቛውሞ ንምብርዓን፡ ንወደብቲን ፍሩያት ተንቀሳቀስቲን ይኣስር ምህላዉ ተሓቢሩ።

ሲቪላዊ ክዳን ዝለበሱ ኣባላት ጸጥታ ፡ ካብ ሰኑይ 27 ሰነ  ጀሚሮም ንኣባላት ናይ’ተን ነቲ ዓቢይ ህዝባዊ ሰልፊ  ወዲበን  ዘለዋ ተቛወምቲ ወገናት ኪለቕሙ ምቕናዮም እዩ  እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።

ስልጣን ክብሕት ዝደሊ ዘሎ ወተሃደራዊ ሸነኽ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ፣ ነዚ ምስ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ኣመኽንዩ ኣብ ልዕሊ’ቲ ደሞክራስያዊ ስግግር ዝጽዉዕ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን ተወሳኺ በደል ከይፍጽም ስግኣት ሓያለ ወገናት ኮይኑ ኣሎ።

እዋናዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ን7 ኣዋርሕ ጸኒዑ ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ካብ ዘልዕሎ፡ ህዝባዊ ተቛዉሞ ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽል ከምዘሎ ዝሕብር ማእከላይ ኮሚተ ሓካይም ሱዳን፣ ኣብ’ቲ ካብ ጥቅምቲ 2021 ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ተቛዉሞ ብኣባላት ጸጥታ ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ቊጽሪ ናብ 100 ተጻጊዑ ምህላዉ እዩ ዘረድእ።

ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃን ፣ ቅድሚ 7 ኣዋርሕ ዳግም ንዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ስዒቡ ክብእስ ዝጸንሐ ጸጥታዊ ቅልዉላዉ ሃገሩ ንምፍታሕ ናብ ዘኽእል ጎደና ከብል ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናይ’ዚ ዓመት መብጽዓ ድሕሪ ምእታዉ፣ ኣብ ፈለማ መዓልታት ወርሒ ሰነ ንኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ከምዘልዓለን ንሓያለ ፖለቲካዉያን እሱራት ከምዝፈትሐን ይዝከር።

ኣንተኾነ፡ ዝበዝሓ ፖለቲካዉያን ሓይልታት’ታ ሃገር ነቶም እቲ ወተሃደራዊ መራሒ ዘርእዮም ዘሎ ምምሕያሻት ብምሉእ እምነት ይቕበልኦ ብዘይምህላወን፣ ክሳብ ናብ ሲቪላዊ ስርዓት ዘኽይድ ተግባራዊ ተበግሶ ዘይተራእየ ፡ ህዝቢ ተቛውሞኡ ኪቕጽል ኽጉስጉሳ እየን ጸኒሐን።

ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ምዕላዉ ንዝቘመ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስ ሲቪላዉያን ሰብስልጣን ኮይኑ ኪመርሕ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ወገን፡ ብ 25 ጥቅምቲ ናይ 2021 ዳግማይ ዕልዋ ምክያዱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ወገን ዝዉክል ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃን ስልጣን ንምብሓት ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ኪዉቀስ ጸኒሑ።