ኣባላት ኣሃዱ ምድሓን ህይወት ሊብያ፡ ምስ ጫድ ኣብ ዘዳዉብ ጽሙእ ከባቢ ፡ ሬሳ ናይ 20 ስደተኛታት ከምዝረኸቡ ተገሊጹ። እቶም ካብ ከባቢ ኩፍራ 320 ኪሎሜተራት ንሸነኽ ምዕራብ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ኣጻምእ ኣብ ሓንቲ ጸላም ፒክ-ኣፕ ሞይቶም ዝተረኽቡ ስደተኛታት፡ ብጽምኢ ማይ ዝተኾልፉ ምዃኖም እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።
ኣሃዱ ምድሓን ህይወት ሊብያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ፣ እታ መኪና ካብ ጫድ ብምብጋስ 120 ኪሎሜተር ናብ መሬት ሊብያ ምስ ኣተወት መኣዝን ኣጥፊኣ ኣብ ጉዕዞ ብምብልሻዋ፡ ተሳፈርታ ዝነበሮም ማይ ተጸንቂቚ ረዳኢ ስኢኖም ብጽምኢ ከምዝሞቱ ኣረዲኡ ኣሎ። እቶም ግዳያት፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እዉን ፡ ሓላፊ ምዉህሃድ ኣምቡላስ ኩፍራ ንሮይተርስ ሓቢሩ። ምስ’ቶም ግዳያት ካብ ዝጸንሓ ተንቀሳቀስቲ ቴሌፎናት ፡ ናይ መወዳእታ ጻዉዒት ዘመዝገበት ተሌፎን ዝሓለፈ ሰነ 13 ምንባሩ እዩ እቲ ሓላፊ ዘረድእ።
ኣብ ካልእ ፍጻሜ፣ ቈልዓ ሰበይቲ ዝርከቡዎም 30 ስደተኛታት ኣሳፊራ ካብ ማያዊ ገማግም ሊብያ ዝተበገሰት ጃልባ ብምጥሓላ ፣ ሓሙሽተ ደቂ-ኣንስትዮን ሸሞንተ ቆልዑን ዝረከብዎም ዝበዝሑ ካብ’ቶም ተሳፈርቲ ደሃዮም ተሳኢኑ ከምዘሎ ትካል ሓካይም ብዘይዶብ ብ29 ሰነ ገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ጉዕዞ ስደት ደሃዮም ናይ ዝጠፍኡን ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑን ወገናት ሓበሬታ ዝስንድ ኣካል ከምዝሕብሮ፣ ካብ 2014 ዛጊት 24,234 ስደተኛታት ኣብ ማያት ማኣከላይ ባሕሪ ህይወቶም ከምዝሰኑንን ደሃዮም ከምዘይተረኽበን እዩ።
ማዕበላዊ ባህሪ ማኣከላይ ባሕሪ ዝሃድኣሉ ወርሓት ተኣትዩ ብምህላዉ፣ ቊጽሪ ናይ’ተን ልዕሊ ዓቕመን ብዝሒ ስደተኛታት ኣሳፊረን ካብ ገማግም ሊብያ ዝብገሳ ዘለዋ ጀላቡ ዕለታዊ ይዛይድ ከምዘሎ ዝሕብር ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት IOM ፣ ኣብ ጉዕዞ ሓደጋ ናይ ዝገጥሞምን፡ ብኣባላት ሓልዋ ባሕሪ ሊብያን ቱኒዝያን ተታሒዞም ናይ ዝምለሱን ስደተኛታት ብዝሒ ከምዘይጎደለ እዩ ዘተሓሳስብ።
ኣብ ዉሽጢ’ዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ልዕሊ 5,000 ስደተኛታት ብኣሃዱታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ኣብ ባሕሪ ተታሒዞም ናብ ሊብያ ከምተመልሱ ዝሕብር IOM ፡ ዛጊት ህይወትን ደሃይን ናይ ኣስታት 600 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ሸነኽ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ጠፊኡ ምህላዉ ኣብ መጅማር ናይ ወርሒ ሰነ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ህይወትን ደሃይን ኣስታት 1550 ስደተኛታት ኣብ’ቲ ማያዊ ከባቢ ከምዝጠፍአ ይንገር።