ብዕጡቓት ጉጅለታት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ክልተ ግዜ ተጨዉያ ተደጋጋሚ ጾታዊ ዓመጽ ዝወረዳ ጓል-ኣነስተይቲ፡  ስጋ ሰብ ኽትምገብ ብጨወይታ ከምእተገደደት ፡ ንመሰል ደቂኣንስትዮ እታ ሃገር ዝሕለቕ ትካል ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ጠሪዑ።

ፕረዚደንት ናይቲ ተሓላቒ ትካል ጁልየን ሉሰንገ፡ ናብ’ቲ ብጉዳይ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ምብራቓዊ ኮንጎ ቀጻሊ ዝእከብ ዘሎ ባይቶ ጸጥታ ቀሪባ ኣብ ዘካፈለቶ ሓበሬታ፣ እታ ግዳይ ፡ CODECO ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ንዋንነት መሬትን መዓድናትን ምብራቃዊ ኮንጎ ካብ ዝራጸሙ ጉጅለታት ሓደ ንዝተጨዉየት መቕርባ ገንዘብ ከፊላ ንኸተዉጽኣ ኣብ ዝነቐለትሉ ተመሳሳሊ ዕጫ ከምዝጎነፋ ፣ በቶም ዕጡቓት ቀጻሊ ጾታዊ ዓመጽ በጺሑዋ ድማ ክትግምቶ ዘጸግም ነገር ክትገብር ከምእተገደደት ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እቶም ዕጡቓት፡  ንሓደ ሰብኣይ ብዘሰቅቕ ኣገባብ ጎረርኡ በቲኾም ምስ ቀተልዎ፣ ናዉቱ ከብዱ ኣዉጽዮም ነቲ ሬሳ ንምሳሕ ኸተዳልዎ ብምእዛዝ ፡ ንሳን መጫዉይታን ስጋ ሰብ ክበልዑ ከምእተግበረ እዩ ብሓላፊት እቲ ተሓላቒ ትካል ዝቀረበ ሓበሬታ ዘዘንቱ።

እታ ግዳይ ድሕሪ ነዊሕ ስቓይ ካብ’ቶም ዕጡቓት ተላቒቓ ንገዝኣ ኣንዳምርሐት እዉን፡ ኣብ ኢድ ካልእ ዕጡቕ ጉጀል ኣትያ ተደጋጋሚ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝወረዳን፡ ስጋ ሰብ ኽትምገብ ተመሳሳሊ ጸቕጢ ከምእተገብረላን እዩ እቲ ሓበሬታ ዘረድእ።

ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ መብዛሕትኦም ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ኡጋንዳን ሩዋንዳን ከምዝወፍሩ ዝንገረሎም ልዕሊ 120 ዕጡቓት ጉጅለታት ከምዘለዉ እዩ ዝንገር።

መራሕቲ ምትእኽኻብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ East African Community (EAC)፡ ናብ ምብራቓዊ ካፋላት ኮንጎ ወፊሩ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣንጻር መንግስቲ ንዝጓነጹ ሓይልታት ንምድቃቕ ዝሰርሕ ዞባዊ ሓይሊ ንምቛም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ኣብ ስምምዕ ምብጻሖም ይዝከር።

ዝገዘፈ ክፋል ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ኣዉፊሩ ዘሎ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ከባቢ 20 ዓመት ኣቚጺሩ ዘሎ ደማዊ ግጭት ደዉ ንምባል ዛጊት ቢልዮናት ዶላራት ኣዉጺኡ እኳ እንተሃለወ ፣ በንጻሩ ቊጽሪ ዕጡቓት ጉጅለታት ክበዝሕን እቲ ግጭት ናህሪ ኪዉስኽን ይረአ ከምዘሎ እዩ ዝሕበር።

ግጭት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ጠንቂ ቀጻሊ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ኮይኑ፡ ዛጊት ን27 ሚልዮን ዜጋታት ኣታ ሃገር ተጸበይቲ ህጹጽ ረድኢት ብምግባር ን 5.5 ሚልዮን ካልኦት ኣመዛቢሉ ምህላዉ፡ ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት የረድእ።