ኣብ ጂቡቲ ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዓሊ-ዓዴሐ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ፡ መንግስቲ እታ ሃገርን ጨንፈር ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታትን፡ ንኩነታት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ግቡእ ቆላሕታ ኪገብሩ ዝጽዉዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።
ልዕሊ 240 ዝብዝሖም ነበርቲ እታ መዓስከር፡ ብሕሱም መነባብሮን ቀይዲ-ምንቅስቓስን ተጣሪዖም፡ ድሕነቶምን ናብ ውሑስ ሃገር ናይ ምግዓዝ ዕድላቶምን ድማ ፍጹም ተረሲዑን ተጓንዮን ምህላዎም ዘዘኻኽሩ ጭርሖታት ብምልዓል እዮም ኣብ’ዚ ሰሙን ዘይዕጉብነቶም ከስምዑ ቀንዮም።
ኣብ’ቲ መዓስከር ንልዕሊ 8 ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ፍታሕ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ትሑት መነባብሮ ከምዝርከቡ ዝሕብሩ እቶም ስደተኛታት ፣ ንድሕነቶም ዝሕለቕ ወገን ስኢኖምን፡ ናብ ውሑስ ቦታ ንኸብሉ ዘኽእልዎም መስርሓት ዳግመሰፈራ ተሓሪምዎምን ጥራይ ዘይኮነ ፣ ኣብ ጂቡቲ ሰሪሖም ኪነባበሩ ዘኽእሎም መሰል’ዉን ተነፊግዎም ከምዘሎ ይወቕሱ።
ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ጸገም እቶም ስደተኛታት መሰረታዊ ፍታሕ ኽረክብ ከምቲ ዝድለ ይሰርሕ ከምዘየሎ፣ ሰብ-መዚ ስደተኛታት ጂቡቲ’ዉን እንተኾኑ ንኤርትራዉያን ስደተኛታት ከም ምንጪ ኣህጉራዊ ሓገዛት ስለዝርእይዎም ፣ ካብ ጂቡቲ ናብ ካልእ ሃገር ክግዕዙ ንዝካየዱ ጻዕርታት ቀጻሊ ከምዝዕንቅፉ እዩ ካብ’ቶም ወገናትና ዝበጽሓና ሓበሬታ ዘረድእ።
እቶም ስደተኛታት ብዛዕባ ዘሕልፍዎም ዘለዉ ጸገማት ብዝምልከት ከማርሩን ኪሕብሩን ምስ ዝርከቡ፡ ሻቡ ብኣባላት ጸጥታን ስለያን መንግስቲ ጂቡቲ ተዓፊኖም ከምዝዉሰዱ እዉን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ኣብ ርእሰ-ከተማ ጂቡቲ፣ ከምኡ’ዉን ኣብ ኦቦክን ሖሊ-ሖሌን ኣብ ዝርከባ ካልኦት ሰለስተ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነብሩ ኤርትራዉያን እዉን ተመሳሳሊ ጸገም የሕልፉ ከምዘለዉ ዝሓበሩ እቶም ወገናት፣ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብ ጂቡቲ ከም ጂሆ ተታሒዞም ምህላዎም ኣተሓሳሲቦም።
እቶም ሓበሬታ ዘመሓላለፉልና ስደተኛታት ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ጂቡቲ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ልክዕ ከምቶም ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ሊብያን ስቓይ ዘሕልፉ ዘለዉ ወገናትና ኣብ ጸገም ከምዘለዉ ኩሉ ኣብ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ ክርዳእ ብምጽዋዕ ፣ ልዕሊ ካልእ እዋን ድምጺ ዝኾኖም ወገን ይደልዩ ምህላዎም ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ጂቡቲ ፡ 972 ኤርትራዉያን ከምዘለዉ እዩ ናይ 2021 ጸብጻብ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዘረድእ።