ሱዳናዉያን ነቲ ኣብ 30 ሰነ ኽካየድ ዝተመደበ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ብዘይፍርሂ ክሳተፍዎ ኣብ ዝወዓልሉ፡ ብዉሑዱ 9 ሰልፈኛታት ካብ ኣባላት ጸጥታ ብዝተተኮሱ ጠያይቲ ከምእተቐትሉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን። በዚ መሰረት ቊጽሪ ናይ’ቶም ኣብቲ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ዝቕጽል ዘሎ ህዝባዊ ተቛዉሞ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰልፈኛታት ናብ ልዕሊ 110 ዓሪጉ ምህላዉ ማእከላይ ኮሚቴ ሓካይም ሱዳን ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ናይ 30 ሰነ ተቛዉሞ፡ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሱዳናዉያን ናብ ጎደናታት ከተማ ካርቱምን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ብምዉጻእ፣ ብወተሃደራዊ ወገን ተመንዚዑ ዘሎ ሓይሊ ናብ ሲቪላዊ ስርዓት ክርከብ ዝጠልብ ጻዉዒቶም ከስምዑ ዉዒሎም። ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝወሰድዎ ብረታዊ ግብረመልሲ ሓያል ህዝባዊ ቊጥዐ ብምልዕዓሉ፡ እቲ ተቛዉሞ ሎሚ 1 ሓምለ እዉን ይቕጽል ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር ነቲ ተመዲቡ ዝነበረ ሰፊሕ ህዝባዊ ተቛዉሞ ንምዕንቃጽ ኣቐዲሞም ንቀንዲ ወደብቲን ተንቀሳቀስቲን ኪኣስሩ እኳ እንተቐነዩ፣ ህዝቢ ሱዳን በዚ ከይረዓደ ጻዉዒቱ ከስምዕ ከምዝወዓለ’ዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ። ሲቪላዊ ክዳን ዝለበሱ ኣባላት ጸጥታ ፡ ካብ ሰኑይ 27 ሰነ ጀሚሮም ንኣባላት ናይ’ተን ነቲ ዓቢይ ህዝባዊ ሰልፊ ዝወደባ ተቛወምቲ ወገናት ኪለቕሙ ምቕናዮም ተገሊጹ’ዩ።
እዋናዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ን7 ኣዋርሕ ጸኒዑ ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ካብ ዘልዕሎ፡ ህዝባዊ ተቛዉሞ ብዝሓየለ መልክዑ ክቕጽል እምበር ይዝሕል ከምዘየለ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ወተሃደራዊ ኣዋጅ ተላዒሉ እንዳሃለወ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ብረታዊ ስጒምቲ ካብ ምዉሳድ ዘይምቚጣቦም ንብዙሓት ወገናት ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ኣሎ።
ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃን ፣ ቅድሚ 7 ኣዋርሕ ዳግም ንዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ስዒቡ ክብእስ ንዝጸንሐ ጸጥታዊ ቅልዉላዉ ሃገሩ ንምፍታሑ ናብ ዘኽእል ጎደና ከብል ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ናይ’ዚ ዓመት መብጽዓ ድሕሪ ምእታዉ፣ ኣብ ፈለማ መዓልታት ወርሒ ሰነ ንኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ከምዘልዓለን ንሓያለ ፖለቲካዉያን እሱራት ከምዝፈትሐን ይዝከር።
ኣንተኾነ፡ ዝበዝሓ ፖለቲካዉያን ሓይልታት’ታ ሃገር ነቶም እቲ ወተሃደራዊ መራሒ ዘርእዮም ዘሎ ምምሕያሻት ብምሉእ እምነት ይቕበልኦ ብዘይምህላወን፣ ክሳብ ናብ ሲቪላዊ ስርዓት ዘኽይድ ተግባራዊ ተበግሶ ዘይተራእየ ፡ ህዝቢ ተቛውሞኡ ኪቕጽል ኽጉስጉሳ እየን ጸኒሐን።
ዑመር ኣልበሽር ድሕሪ ምዕላዉ ንዝቘመ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስ ሲቪላዉያን ሰብስልጣን ኮይኑ ኪመርሕ ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ወገን፡ ብ 25 ጥቅምቲ ናይ 2021 ዳግማይ ዕልዋ ምክያዱ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ወገን ዝዉክል ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣቡርሃን ስልጣን ንምብሓት ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ኪዉቀስ ጸኒሑ።
ስልጣን ክብሕት ዝደሊ ዘሎ ወተሃደራዊ ሸነኽ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ፣ ነቲ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ምስ ኢትዮጵያ ኣትዪዎ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ ኣመኽንዩ ኣብ ልዕሊ’ቲ ደሞክራስያዊ ስግግር ዝጽዉዕ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን ተወሳኺ በደል ከይፍጽም እዋናዊ ስግኣት ሓያለ ወገናት ኮይኑ ምህላዉ እዉን ይንገር።