ካብቶም ንወተሃደራዊ ታዕሊም ናብ ኤርትራ ዝተላኣኩ ሶማላዉያን ፡ ኣብ እዋን ታዕሊም ዝሞቱ ከምዘለዉ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ሶማል ዓብድካሪን ዓሊኬር ገሊጹ።
እቲ ወሃቢ ቃል ምስ ቴለቪዥን ሶማል ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ፡ ወለዲ ናይቶም ኣብ ታዕሊም ህይወቶም ዝሰኣኑ ወገናት ድሮ ይርድኡ ከምዘለዉ ጠቒሱ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታትን ደሃይን ናይቶም ገና ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ደቀን ቀጻሊ ንዝሓታ ዘለዋ ስድራቤታት ድማ ኣብ ሓጺር እዋን ርጉጽ ሓበሬታ ክወሃበን ምዃኑ ኣረዲኡ።
ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሼኽ መሓመድ ፡ ጉዳይ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሶማላዉያን መዕለቢ ክርከቦ ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ቃል ምእታዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ በቲ ጉዳይ ምስ ህግደፍ ኣብ ዝርርብ ከምዘሎ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ።
“ህግደፍ ነቶም ሶማላዉያን ንምዕላም ዝገበሮ ወጻኢታት ብምጽብጻብ ብውሑዱ 50 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ካብ መንግስቲ ሶማል ከይተቀበለ ነቶም ተዓላሞ ከረክቦም ከምዘይኮነ ይዛረብ ኣሎ” ዝብል ሓበሬታ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ምዃኑ መንግስቲ ሶማል ብወግዒ ገሊጹ እዩ።
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ናይ 2021 ጀሚሩ፣ ሓያለ ሶማላዉያን ተዓላሞ በብዝጠዓሞም መንገዲታት ካብ መደበራት ታዕሊም ኤርትራ ብምምላጥ ብመንገዲ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምጅማሮም ጋዜጣ ሶማሊ ጋርድያን ክሕብር ጸኒሑ እዩ።
እቶም ካብ 2019 ጀሚሩ በብእብረ ናብ ኤርትራ ክለኣኹ ዝጸንሑ ሶማላዉያን፡ ናብ ቐጠር ከይዶም ከምዝዕለሙ እንዳተነግሮም ብከዉሊ ናብ ኤርትራ ኽዉሰዱ ምጽንሖም ዝንገር ኮይኑ፣ ልዕሊ 5.400 ሶማላዉያን ናብ ኤርትራ ተወሲዶም ኣብ ሰለስተ መደበራት ታዕሊም ከምዝሰልጠኑ እየን ማዕከናት ዜና ሶማል ዝሕብራ።
እዚ ብዘይ-ኣፍልጦ ዝበዝሑ መንግስታዉያን ኣካላት ሶማልን ህዝቢ እታ ሃገርን ነዊሕ ዝቐጸለ ጉዳይ ኣብ ምዝዛም 2020 ኽቃላዕ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ኣብ ህዝቢ ሶማል ብሓፈሻ ኣብ ወለዲ’ቶም ንታዕሊም ዝተወስዱ ድማ ብፍላይ ሓያል ቊጥዐ ኸልዓዕልን ፡ ንኣበየ-ህላወን ምምላስን እቶም ተዓላሞ ዝጽውዑ ሰለማዊ ሰልፍታት ክሕይልን ምጽንሑ ይፍለጥ።