ኣብ ሊብያ ሓቅታት እተጻሪ ጉጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ኣካላዊን ጾታዊን ዓመጻት ይቕጽል ከምዘሎ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት ኣብ ዘውጸኣቶ ጸብጻብ ደጊማ ኣነጺራ።

እታ ኣጻራዪት ጉጅለ ፡ ኣብ’ቲ ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ጸቕረበቶ ጸብጻብ፣ ካብ 2016 ጀሚሩ ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ገበናት ኣንጻር ሰባኣዉነት ይፍጸም ከምዘሎ ብምትሕስሳብ ፣ ስደተኛታት ተቐቲሎም ኣብ ጋህሲ ከምዝድፈኑ፣ ደቂኣንስትዮ ጾታዊ ኣካላተን ኪቃጸል ከምዝግበርን ብመለሳ መግቢ ንጾታዊ ርክብ ከምዝሕተታን፣ ናይ ጉዕዞን መልቀቒን ገንዘብ ኪኸፍሉ ዘይከኣሉ ብህይወቶም ከምዝነዱን ካልእን ዝብሉ ኣሰቀቕቲ ገበናት ገና ይቕጽሉ ምህላዎም ኣብሪሃ ኣላ።

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ግዳያት ጃማላዊ ቅትለት፡ ኣልመምቲን ዝተወሃሃዱን ጭዉያታት፡ መስወርቲ፡ ድጎናን መግረፍቲን ኮይኖም ምህላዎም ፥ ሰራዊት መንግስቲ ፡ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ግዳማዉያን ሓይልታት፡ ከምኡ’ዉን መርበባት ዘይሕጋዊ ንግዲ ደቂ-ሰብ ድማ ነቶም ገበናት ዝፍጽሙ ዘለዉ ምዃኖም እዩ እቲ እዋናዊ ጸብጻብ ዘነጽር።

ኣብ ሊብያ ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢን ኣብ’ታ ሃገር ዝርከቡ ስደተኛታትን – ገበናት ኣንጻር ሰብኣዉነት ይፍጸም ከምዘሎ ፡ እታ ኣጻራይት ጉጅለ ኣቐዲማ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2021 ኣብ ዝዘርገሐቶ ጸብጻብ’ዉን  ኣፍሊጣ ነይራ እያ።

ልዕሊ 12 ሽሕ ኣፍሪቃዉያን ስደተኛታት ኣብ 27 ኣብያተ ማኣሰርቲን መዳጎኒ ማእከላትን ሊብያ ይሳቐዩ  ከምዘለዉ፣ ኣሽሓት ካልኦት እዉን ብዕጡቓት ጉጅለታት እታ ሃገር ኣብ ዝዉነና ምስጢራዉያን መዳጎኒ ማኣከላት ብዘይሕጊ ተታሒዞም ተመሳሳሊ ጸገም የሕልፉ ምህላዎም ፡ ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉቴረዝ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናይ’ዚ ዓመት ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዘሕለፎ ጸብጻብ ምሕባሩ ይዝከር።

ኣሃዱ ፖለቲካዊ ተልእኾ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ (UNSMIL)  ፣ ማእሰርቲ፡ ድጎና፡ ከምኡ’ዉን ኣካላዊን ጾታዊን ዓመጻት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ቀጻሊ ይዕዘብ ከምዘሎ ዘመልከተ እቲ ዋና ጸሓፊ ፡ ብፍላይ ኣብ’ተን ብመንግስቲን ዕጡቓት ጉጅለታትን ዝመሓደራ መዳጎኒ ማእከላት ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታት ቀይዲ በቲኹ ከምዘሎ እዩ ኣተሓሳሲቡ።