ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ (RSAHRO) ፡ ኩነታት ናይቶም ኣብ ክልል ዓፋር ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ቀጻሊ ጸገም ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራዉያን ስደተኛታት ግቡእ ኣድህቦ ኽረክብ ደጊሙ ዘተሓሳስብ ምሕጽንታ ናብ ሓላፊ ላዕለዋይ ወኪል ንጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ ልኢኹ።
እቲ ተሓላቒ ትካል ኣብ’ቲ ብ4 ሓምለ ዝለኣኾ ደብዳቤ፣ ኣብ ክልል ዓፋር ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ብፍላይ ድሕሪ’ቲ ኣብ ምጅማር ወርሒ ለካቲት 2022 ብሓይልታት ትግራይ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልዉላዉ ከምዝርከቡ ብምዝኽኻር፡ UNHCR ሓላፍነቱ ክስከም ኣትሪሩ ተማሕጺኑ።
ድሕሪ’ቲ ናይ ሓይልታት ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ፡ መዓስከር ስደተኛታት በራሕሌ ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ፡ ሓሙሽተ ኤርትራዉያም ተቐቲሎም ብኣሽሓት ካልኦት ከምእተጨዉዩ ዝጠቐሰ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ፡ ንብረትን ሰነዳት መንነትን ነበርቲ እቲ መዓስከር ከምእተዘምተ ብምሕባር፡ ልዕሊ 34,000 ነበርቲ እቲ መዓስከር ዝኾኑ ስደተኛታት ተመዛቢሎም ናብ ነንበይኑ ሸነኻት ኣጻምእ ክልል ዓፋር ፋሕ ኢሎም ብዘይዉሑስ ደገፍ ይሳቐዩ ምህላዎም ኣተሓሳሲቡ።
ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ ወሲኹ፡ ከባቢ 20,000 ካብቶም ካብቲ መዓስከር ዘምለጡ ስደተኛታት ዛጊት ዝኾነ ደሃይ ከምዘይብሎም፡ ብሰንኪ ዘሎ ሕጸረት መራኸቢታት ድማ ናበይ ከምዘበሉን ኣበይ ኣዕቂሎም ምህላዎምን ከምዘይፍለጥ ሓቢሩ።
ካብቶም ናይ መዓስከር ስደተኛታት በራሕሌ ተመዛበልቲ፡ ልዕሊ 4,000 ፈለማ ኣብ ከተማ ሰመራ ድሒሮም ኣብ ከባቢ ሳርዶ፣ ኣስታት 10,000 ካልኦት ድማ ኣብ ምምሕዳር ኣፍዴራ ተዓቚቦም ምህላዎም፡ ተሓጋጋዚት ሓላፊ ቤትጽሕፈት መራኸቢታት UNHCR ላዉረንስ ብሮን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት ገሊጻ ምንባራ ዘዘኻከረ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ፡ እቶም ስደተኛታት ብክቱር ሕጽረት ቀረባት ተጣሪዖም ኣብቶም ተሃዋሲ ክሊማ ዝዉንኑ ከባቢታት ከቢድ ሕሰም የሕልፉ ምህላዎም ኣመልኪቱ ኣሎ።
ብፍላይ እቶም ብሕሱም ኩነታት ኣየሩ ኣብ ዝፍለጥ ርሑቕ ከባቢ ሳርዶ ዝርከቡ ኤርትራዉያን ስደተኛታት፡ ብምትሕብባር UNHCRን ኢትዮጵያዊ በዓል መዚ ንጉዳይ ስደተኛታትን ተመላሶን ናብቲ ቦታ ክግዕዙ ካብ ዝተገብረሉ ዕለት ዛጊት ካብ ዝኾነ ወገን ረድኤት ከምዘይተቐረበሎም እዩ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ ዘተሓሳስብ።
ትካል ሰብኣዊ መሰላት ዓፋር ቀይሕ-ባሕሪ ኣብ መወዳእታ፡ UNHCR፡ ማሕበረሰብ ዓለም ትካላት ረዳኤትን ነዚ ኣሻቓሊ ኩነታት ተገንዚቦም ዝኣክል ሰብኣዊ ቀረብ ኣብ ምርግጋጽ ኽቀላጠፉ፣ ኣባላት UNHCR ናብ’ቲ ብሓይልታት ትግራይ ዝዓነወ መዓስከር በራሕሌ ኪበጽሑን ናብ ኣገልግሎት ዝመለሰሉ ኣማርጺታት ከቀላጥፉን፣ UNHCR ንብረቶም ሰነዳቶም ተዘሪፉ ንዘሎ ተመዛበልቲ እቲ መዓስከር መዝጊቡ ቀረባዊን ሰነዳዊን ደጋፋት ብምግባር ኣህጉራዊ ድሕነቶም ንኽረጋገጽ ክሰርሕ ዝብሉን ካልእን ምሕጽንናታት ኣቕሪቡ።