ትስፉው ተጻዋታይ ጋንታ ባርሳ ፐድሪ ሓዳሽ ቁጽሪ ማልያ ተዋሂቡ

ኣብ ዝሓልፈ ካልኣይ እብረ ዓመተ-ስፖርት፡ ተጻዋታይ ባርሴሎና ዝነበረ ዳኒ ኣልቨስ ንዝሓዛ ቁጽሪ ‘8’ ማልያ፡ ንትስፉው መንእሰይ ኣካፋፋሊ ባርሴሎና ሃገራዊት ጋንታ ስፓኛ ዝኾነ ፐርዲ ተዋሂባ ኣላ። እዛ ቊጽሪ ታሪኻዊት ኮይና ቅድሚ ሕጂ ከም በዓል፡ ጉሌርሞ ኣሞር፡ ህሪስቶ ስቶችሂኮቭ፡ ኣልበርት ሴላደስ፡ ፍሊፕ ኮኩ፡ ኣርቶር ሜሎ፡ ሚራለም ጃኒች ከምኡውን ኣንድሬ ኢንስታ ወድዮማ ኢዮም።

ፐርዲ ን ቦያን ስዒቡ 2ይ ዝነኣሰ 50 ጸወታት ዘካየደ መንእሰይ ተጸዋታ ባርሴሎና ኮይኑ ተጸዊዑ ይርከብ።

ፐርዲ ኣብ ፋልማይ ዓመተ-ስፓርት ጸወትኡ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኮፓ ዴል ሬይ ስፓኛን፡ ተዓዋቲ ብ ‘ጎልደን ቦይ’ ዝጽዋዕ ዝበለጸ መንእሰይ ኮይኑ ክሽለም በቂዑ ኣሎ።

ሮናልዶ፡ ኣብ ኦልድትራፎርድ ዘለዎ ጊዜ ዘብቀዐ ይመስል


ማንችስተር ዩናይትድ ትማሊ ሓሙስ ናብ ከተማ ባንኮክ ታይላንድ ኣብዝገሸትሉ፡ ነቲ ኮኾብ ተጸዋታያ ዝኾነ ክርስቲያኖ ሮናልዶ ከምዘይተማልኣቶ ተፈሊጡ ኣሎ። ሓድሽ ኣሰልጣኒ ክለብ ማን ዩናይትድ፡ ኤሪክ ስቴገን ከም ማናጀር’ታ እታ ጋንታ ኮይኑ ሎሚ ዓርቢ ፈለማ ጸወትኡ ከካይድ ኢዩ።
ማንችስተር ዩናይቲ ንሮናልዶ ብዘይተፈልጠ ስድራቤታዊ ምኽንያት፡ ኣብ ፖርቱጋል ንክጸንሕ ፍቃድ ሂባቶ ኢላ። ወዲ 37 ዓመት ክርስቲያኖ ሮናልዶ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብምኽንያት ሕርሲ ሓደ ቆልዓ ከምዝተጎድኦ ይፍለጥ።

ክሌመንት ሌንግሌት ሕክምናዊ መርመራ ከካይድ ኢዩ


ናይ ማእከል ተኸላኻላይ ክለብ ባርሴሎና ዝኾነ ሌንግሌት፡ ብልቓሕ ናብ ለንደናዊት ክለብ ቶተንሃብ ንምስግጋር ሕክምናዊ ምርመራ ከካይድ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ቶተንሃም ኣብዚ ናይ ክረምቲ ምስግጋር ተጻወቲ ወቕቲ፡ ንወዲ 27 ዓመት ተጻዋታይ ሌንግሌት፡ መበል 5ይ ተጻዋታይ ኮይኑ ክተፈርሞ ተቓሪባ ኣላ።