ኣብ ከባቢ ባድመን ተከዘን ዝርከቡ ኩሎም ኤርትራዉያን ጓሶት ጥሪቶምን ንብረቶምን ጠርኒፎም ናብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ክግዕዙ ብሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ከምእተነግሮም፣ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንደሞክራሲ ንሓርነት ገሊጹ።
እቶም ዝኾነ ሓድሽ ሓበሬታ ክሳብ ዝወሃቦም ናብ ዝነበርዎ ከባቢ ከይምለሱ ተነጊርዎም ዘሎ ጓሶት ፣ ኣብ ዉሽጢ ክልተ ሰሙን ክግዕዙ ከምዘለዎም እዩ ተሓቢርዎም።
እቶም ጓሶት፡ እዚ ኣብ እዋን ክራማት መጺዩዎም ዘሎ ትእዛዝ ኣብ መነባብሮኦም ጸገማት ክፈጥረሎም ምዃኑ ብምምራር ፡ ምኽንያት ምግዓዞም ኣብ ዝሓተተሉ፣ “ንድሕነትኩም እዩ” ዝብል መልሲ ጥራይ እዩ ካብ ሓለፍቲ ስለያ ምክልካል ተዋሂብዎም ዘሎ።
ህግደፍ ኣብ ከባቢ ዶባት ጽዑቕ ወተሃደራዊ ምድላዋት ይገብር ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ክሕበር ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ነበርቲ ከባቢታት ባድመን ሩባ ተከዘን ንዝኾኑ ጓሶት ጥሪቶም ሒዞም ከርሕቚ ምእዛዙ ፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ ክፍጠር ኣብ ዝኽእል ወተሃደራዊ ረጽሚ ዝጽለዉ ከባቢታት ኤርትራ ካብ ሰብ ነጻ ንምግባሮም ይጽዕር ምህላዉ ዘመልክት ኮይኑ ኣሎ።
ጉጅለ ህግደፍ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳዉባ ከተማታትን ዓድታትን ንዝነብር ህዝቢ ብረት የዕጥቕ ምህላዉ እዉን ዝሓለፈ ሰሙን ተሓቢሩ ነይሩ። እቲ ግዱድ ምዕጣቕ፣ ኣብ’ተን ምስ ክልል ትግራይ ዝዳወባ ዓድታትትን ከተማታትን ኤርትራ ብጻዕቂ ይካየድ ከምዘሎ፡ ክሳብ ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ዝርከብዎም ነበርቲ እተን ከባቢታት ድማ ካላሽንን ክልተ ናይ ኢድ ቦምባን ብግዲ ይወሃቦም ምህላዉ እዩ ተገሊጹ።
ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብዘተ ንምፍታሕ ዝካየዱ ዘለዉ ጻዕርታት ኣስጊኦሞ ዝርከብ ህግደፍ ፣ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ተጻጊዑ ይሰርሕን፡ ሓይልታት ትግራይ ንሓድሽ ወራር ይዳለዉ ኣለዉ ብምባል ኩሉዓይነታዊ ምቅርራባት የቃንዕን ከምዘሎ ይፍለጥ።