ህግደፍ ዓሰርተታት ኣባላት ስለያን ሰራዊትን ኤርትራ ይኣስር ከምዘሎ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንደሞክራሲ ንሓርነት ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ምንቅስቓስ ፣ ካብ 29 ሰነ ጀሚሩ ዛጊት 29 ኣባላት ስለያ ብሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ተኣሲሮም ከምዘለዉ፣ እቲ ብተናጸል ዝቃናዕ ዘሎ ስጒምቲ ድማ ንሓያለ ኣባላት ስለያን ጸጥታን ኣሸቚሪሮም ልዑል ዘይምትእምማን ፈጢሩ ከምዘሎ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ብተወሳኺ ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተዋፊሮም ካብ ዘለዉ ኣባላት ጸጥታን ስለያን ዝበዝሑ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ሃንደበታዊ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፣ ንሓያለ ካብ’ቶም ተመለስቲ ይኣስር ከምዘሎ እቲ ምንቅስቓስ ኣቃሊዑ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናይ ከተማ ኣዲስ-ኣበባ ተዋፊሮም ዝጸንሑ ብሜጀር መብራህቱ ተወልደ ዝምርሑ 19 ኣባላት ጸጥታ ፣ ክምለሱ ተነጊርዎም ብ1 ሓምለ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሕሉ ሻቡ ተወሲዶም ኣብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ (ካርቼሊ) ተዳጒኖም ምህላዎም እዉን ይሕበር።

ብዘይካ’ዚ ፡ ብ 25 ሰነ ነበርቲ ንኡስ ዞባ ሻምብቆን ሞልቊን ዝኾኑ 23 ኣባላት ዕቚር ሰራዊት ፡ ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ተወሲዶም ዛጊት ንኩነታቶምን ኣበየ-ህላዌኦምን ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘየለ ክፍለጥ ተኻኣሉ ኣሎ።

ቤተሰብ ናይ’ቶም ዝተኣስሩ 23 ኣባላት ዕቚር ሰራዊት ንኣማሕደርቲ ከባቢኦም ኣብ ዝጠርዕሉን ፡ ምኽንያት እቲ ምእሳር ኣብ ዝሓተትሉን ዝኾነ መልሲ ተኸሊኦም ኣብ ሻቕሎት ከምዝርከቡ እዩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዘረድእ።

ኣብዚ ቅንያት፡ 11 ሰራሕተኛታት ንግዳዊ ኮርፖሬሽን ቀይሕ ባሕሪ (09) እዉን ብኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ተኣኣሲሮም ከምእተወስዱ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንደሞክራሲ ንሓርነት ይገልጽ።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ዝተመሓዘወላ ዕለት  ንዓሰርተታ ማእከሎትን ታሕተዎትን ኣባላት ስለያ ናብ ኢትዮጵያ እንዳለኣኸ ብድንገት ከምዝሞቱ ብዘምስሉ ሜላታት ከዳቕቘም ከምእተራእየ ኽግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ኣብ መሳርዕ መሪሕነት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ክፍልታት ስለያ ድማ ብፍላይ ዘይተነግረሎም ሕንፍሽፍሻት ኪዛይዱ ጸኒሖም እዮም።

ምስ ምጅማር ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ኣሃዱታት ስለያን ብወግዒን ከዉሊን ዘይዕጉብነት ክስማዕ ድሕሪ ምጅማሩ፣ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ንግዱድ ተሳትፎ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ’ቲ ኲናት ምኽንያት ጌሩ ዓሰርተታት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ስለያን ኣብ ምድቓቕን ምስዋርን ዓቲቡ ክሰርሕ ይርከብ።