ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ያኢር ላፒድ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ኤምባሲ ሃገሩ ክዕጾ ከምዘፍቀደ ፡ ጋዜጣ ጀሩሳሌም ፖስት ንምንጭታት ቤት-ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብምጥቃስ ሓቢራ።
ኣቐድም ኣቢሉ ላዕለዎት ኣባላት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣስራኤል፡ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ኤምባሲ ኽዕጾ ናብ’ቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ከም ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያትን ኮይኑ ዝነጥፍ ዘሎ መራሒ ምሕጽንታ ኣቕሪቦም ምንባሮም ዝጠቐሰት እታ ጋዜጣ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ላፒድ ነቲ ምሕጽንታ እወታዊ መልሲ ሂብሉ ከምዘሎ እያ ኣረዲኣ።
ህግደፍ፣ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ንዝተመዘዘ ዲፕሎማት ናብ ሃገር ንኸይኣቱ ንክልተ ዓመት ከደናጒ ስልዝተራኣየ፣ ኣድላይነትን ህላዌን ናይቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ኤምባሲ ሃገሮም ኣርባሒ ኮይኑ ከምዘይተራእዮም እዮም ላዕለዎት ኣባላት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እስራኤል ክጠርዑ ጸኒሖም።
እስራኤል ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት ናይ 2020 ንእሽማዒል ኻልዲ ንኣምባሳደርንርት ከምዝመዘዘቶ ዝዝከር ኮይኑ፣ ህግደፍ እቲ ሓድሽ ኣምባሳደር ናብ ሃገር ንኸይኣቱ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ክፈጥር ምጽንሑ ይንገር።
ኤምባሲ እስራኤል ኣብ ኣስመራ ካብ መወዳእታ 2018 ዛጊት ብዘይኣምባሳደር ምህላዉ ዝሕብሩ ጸብጻባት፡ ንግዜኡ ብኣካያዲ ስራሕ ክነጥፍ እኳ እንተተፈተነ ፡ ዝሓልፈ ክልተ ዓመት ግና ክስተት ኮቪድ-19 ተደሪብዎ ስራሕተኛታት እቲ ኤምባሲ ካብ ንጡፍ ስራሕ ቦኺሮም ዝበዝሐ ግዜ ኣብ ገዝኦም የሕልፍዎ ምህላዎም ይሕብሩ።
ላዕለዎት ኣባላት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት እስራኤል፣ ንጡፍ ንዘይኮነ ኤምባሲ ወርሓዊ ንኽራይን ደሞዝ ሰራሕተኛታት ዓሰረተታ ኣሽሓት ዶላር ምዉጻእ ከምዘየድሊ እዮም ክምሕጸኑ ጸኒሖም።
ህግደፍ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ክዋሳእ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ኣብ መዳያት ጸጥታን ቊጠባውን ድማ ልዕሊ ካልእ እዋን ምስ ሩስያን ቻይናን ክጸጋጋዕ ካብ ዝርአ፡ ኣብ ሞንጎ ህግደፍን መንግስቲ እስራኤልን ዝነበረ ድልዱል ግን ከኣ ስቱር ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኪሕርፍፍ ምጽንሑ እዩ ዝንገር።