ጉጅለ ህግደፍ ነቶም  ንሰለስተ ዓመት ከባቢ ሒዝዎም ዝጸንሐ ሶማላዉያን ተዓላሞ፡ ሕጂ ምስ ምብጻሕ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማል ናብ ኤርትራ ፡ ህዉኽ ናይ መመረቕታ ስነስረዓት ከካይደሎም ምሕሳቡ ፣ እቲ ጉጅለ ክሳዕ ክንደይ መኣዝኑ ኣጥፊኡ ምህላዉ ዘግህድ’ዩ ክብሉ ምንጭታት ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ሓቢሮም።

ንሰለሰተ ዓመት መመላእታ ዝኸይድ ወተሃደራዊ ታዕሊም ተሰሚዑ ከምዘይፈልጥ ዘመልከቱ እቶም ምንጭታት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ተማእዛዝነት ሃገራት ምዕራብ ብምምላሱ፣ መሻርኽቱ ዝነበረ ሶማላዊ መራሒ መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆ ድማ ብምርጫ ምስዓሩ ከቢድ ምጒናይ ኣጋጢምዎ ዘሎ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፡ ናብ ከምዚ ዝበለ ሚዛኑ ትሑት ተዋስኦ ምዉዳቚ ዘሕንኽ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

እቲ ናይ መመረቅታ ስነስረዓት ብሃታ ሃታ ዝተወደበ ምንባሩ ንምግንዛብ ከምዘየጸግም እዉን እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።

መሰረታዊ ዕላማ መገሻ ሓድሽ መራሒ ሶማል ሓሰን ሼኽ መሓመድ ናብ ኤርትራ ፣ ብዛዕባ እቶም ብህግደፍ ከይምለሱ ተኸልኪሎም ዘለዉ ሶማላዉያን ተዓላሞ ንምዝርራብን ፍታሕ ንምምጻእን ጥራይ ከምዝኾነ እቶም ምንጭታት ኣቐዲሞም ሓቢሮም እዮም።

መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ምስ ሃገራት ምዕራብ ብሓፈሻ ምስ ኣመሪካ ድማ ብፍላይ ቅልጡፍ ምቅርራባት ንዘረጋግጽ ዘሎ ሓድሽ ሶማላዊ ፕረዚደንት ንምጽላዉ ፣ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሶማላዉያን ተዓላሞ ከም ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን መዋገዪ ኽጥቀመሉ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

ሓድሽ ሓሰን ሼኽ መሓመድ ፡ ጉዳይ እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሶማላዉያን መዕለቢ ክርከቦ ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሕ ቃል ምእታዉ ዝዝከር ኮይኑ፣ በቲ ጉዳይ ምስ ህግደፍ ኣብ ዝርርብ ከምዘሎ ኣቐዲሙ ሓቢሩ እዩ።

ኣብ 2019 በብእብረ ናብ ኤርትራ ዝተላኣኩ ሶማላዉያን፡ ናብ ቐጠር ከይዶም ከምዝዕለሙ እንዳተነግሮም ብከዉሊ ናብ ኤርትራ ከምዝተወስዱ ዝንገር ኮይኑ፣ ልዕሊ 5.400 ሶማላዉያን ናብ ኤርትራ ኣትዮም ኣብ ሰለስተ መደበራት ታዕሊም ከምዝሰልጠኑ እየን ማዕከናት ዜና ሶማል ዝሕብራ።

እዚ ብዘይ-ኣፍልጦ ዝበዝሑ መንግስታዉያን ኣካላት ሶማልን ህዝቢ እታ ሃገርን ንዊሕ ዝቐጸለ ጉዳይ ኣብ ምዝዛም 2020 ኽቃላዕ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ኣብ ህዝቢ ሶማል ብሓፈሻ ኣብ ወለዲ’ቶም ንታዕሊም ዝተወስዱ ድማ ብፍላይ ሓያል ቊጥዐ ኸልዓዕልን ፡ ንኣበየ-ህላወን ምምላስን እቶም ተዓላሞ ዝጽውዑ ሰለማዊ ሰልፍታት ክሕይልን ምጽንሑ ይፍለጥ።