ካብ ከተማ ደቀምሓረ ኣስታት 6 ኪሎሚትር ርሒቚ፡ ከባቢ ውጡሕ ተደኲኑ ኣብ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ ማይ-ዕዳጋ ዘለዉ 67 ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም 590 ዜጋታት ብሕጽረት መግቢን ጽሬትን ንዝተፈላለዩ ሕማማት ተቓሊዖም ክሳቐዩ ይግበር ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንደሞክራሲ ንሓርነት ኣብቲ ቤትማእሰርቲ ንዘሎ ሕሱም ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዘካፈሎ ዝርዝራዊ ሓበሬታ፣ ኣብ’ቲ ቤትማእሰርቲ ብዝተፈላለየ ዘይብቚዕ ምኽንያት ዝተኣሰሩ ኣባላት ሰራዊት፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተቐየዱ ሸውዓተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት፡ ከምኡ’ዉን ካብ ከተማታትን መዓስከራት ስደተኛታትን ትግራይ ብስለያ ህግደፍ ዝተጨውዩ ንጹሃት ዜጋታት፡  ክቱር ሕጽረት መኣዛታትን ብዝጠንቈም ሕማማት፣ ነድሪ ከስዐ፡ ውጽኣት ፡ናይ ዓጽሚ ጸገማት ፡ሕማማት ቆርበት ፡ ዓሶ ፡ ወይቦ ካልእን ይሳቐዩ ምህላዎም ኣቃሉዑ።

ኣብቲ ብዘይዝኾነ ፍርዲ ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝተኣስሩ ከይተረፈ ዝርከብዎ ቦታ ስቓይ፡ ብሓደ ኣጋር ሓኪም እትምራሕ 4ተ ዝኣባላታ ጉጅለ ቀዳማይ ረዲኤት’ኳ እንተላ፡ ብሰንኪ ጻዕቂ ተርእዮ ሕማማት፡ ሕጽረት መድሃኒትን ቀረብ ናውትን፡ ኣበርክቶኣ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ እዉን እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ብዙሓት ብሰንኪ ስእነት ሕክምና ኣካላዊ ስንክልና ይገጥሞም ምህላዉ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፣ ኣሕፈሮም ግርማይ ዝተበሃለ ወዲ 29 ዓመት መንእሰይ ኣብ ማእሰርቲ ብዘጥረዮ ሕማም ሽኮር ዓይኑ ከምዝዖረ፡ መድሃኔ ዑቁባሚካኤል ዝተባህለ ካልእ መንእሰይ ከኣ ተመሳሳሊ ሕማም ድሕሪ ምጥራዩ ንዝረኸሰት እግሩ ብመቚረጽቲ ከምዝሰኣና ይነግር።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ ዕድጋ ካብ 13 ክሳብ 17 ዝዕድሚኦም 67 ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ብዘይ ዝኾነ ክሲ ከም ገበነኛ ተታሒዞም ይሳቐዩ ምህላዎም ዘብርሀ ሓበሬታ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንደሞክራሲ ንሓርነት፡ የዕብዮ ዘርኣብሩኽ ዝተበሃለ ኣብ 2013 ወዲ 14 ዓመት እንከሎ ተኣሲሩ ሕጂ ወዲ 23 ዓመት ኮይኑ ዝርከብ ዜጋ፡ ሓደ ካብቶም ትሕቲ 14 ዓመት እንከለዉ ዝተኣስሩ 18 ቈልዑ ከምዝኾነ ይዝርዝር።

ብዘይካ’ዚ፡ ንህግደፍ ዝቃወም ጽሑፍ ዘርጊሕኩም ተባሂሎም ኣብ ወርሒ መጋቢት 2020 ብሃገራዊ ድሕነት ናብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ዝኣተዉ 18 ተመሃሮ ኮለጅ ዓዲቀይሕ ምህላዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።