ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ዝሕርፍፍ ዘሎ ዝምድና ኸስተብህልሉ ከምዝግባእ ምንጭታት ኤሪሳት ካብ’ታ ከተማ ኣተሓሳሲቦም።
መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኤርትራን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ መሪሕነትን ዝጸንሖ ኣጠማምታ ኣሉታዊ መልክዕ ይሕዝ ምህላዉ ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቕመጡ ኤርትራዉያን ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዮም ኣብ ምንቅስቓሶቶም ጥንቃቐ ከቐድሙ ተለብዮም።
ብዙሓት ኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ ፡ ኩነታት ከምቲ ኣብ እዋን ምዉቕ ምሕዝነት ኣቢይን መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ዝነበሮ ከይተቐየረ ይቕጽል ይመስሎም ምህላዉ ዝሓበሩ’ቶም ምንጭታት፡ እቶም ኤርትራዉያን ካብዚ ርድኢት እዚ ግልል ኢሎም ብጥንቃቐ ክናበሩ ተላብዮም።
ምንጭታት ኤሪሳት ነዚ መጠንቀቕታ ዘቕርቡ ዘለዉ፡ ብ11 ሓምለ ሰንዳፋ ናብ ዝተባህለ ከባቢ ማይ ጸሎት ክሕጸቡ ዝበጽሑ ልዕሊ 170 ኤርትራዉያን ፡ ንኣዲስ-ኣበባ ይምለስሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ብኣባላት ጸጥታ ተቐዪዶም ኣብ ዝኽርትትሉ ዘሎ ቅንያት እዩ።
ርጉጽ ምኽንያት መቕየድቲ እቶም ንመገሻ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጽኡ ከይተረፈ ዝርከብዎም ዜጋታትና እኳ እንተዘይተረጋገጸ፡ ንምንቅስቓሶም ዝድግፍ ሰነዳት ስለዘይሓዙ ክኺዉን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።
መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ዝጸንሖ ሽርክነት ላሕሊሑ፡ ኣብ ሞንጎኡን መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ዘይወግዓዊ ጽልኢ ሰሚሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብሩን ካብ ወጻኢ ናብታ ከተማ ዝገሹን ኤርትራዉያን ከምቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረ ምቕሉልነትን ነጻነትን ክጽበዩ ከምዘይብሎም እዩ ዝንገር።