ክልተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኤፍሬም ገብረሂወትን ናሆም ኣርኣያን ዝሳተፍዎ መበል 58 ጂሮ ዴላ ቫሌ ዳኦስታ፡ ሎሚ መጋረጅኡ ቀንጢጡ ኣሎ። እዚ ብናይ ዩ.ሲ.ኣይ ናይ 2.2U መዐቀኒ ዝተዋህቦ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ኣወዳት ቅድድም ብሽክሌታ፡ ብዙሓት መንእሰያት ተቐዳደምቲ ዓቕሞም ዝፍትሽሉን፡ ናብ ዝለዓለ መድረኽ ውድድር ንኽሓልፉ በሪ ዝኸፍተሎም ቅድድም ብሽክለታ ኢዩ።

ጂሮ’ ዴላ ቫሌ ዳኦስታ ካብ ሎሚ ረቡዕ ዕለት 13/07/22 ክሳብ 17/07/22 ዝጸንሕ ሓሙሽተ መድረኻት ውድድር ዘካይድ ኮይኑ፡ 29 ጋንታታት ይሳተፍዎ ኣለዉ። እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ውድድር’ዚ፡ ካብ ሃገር ፈረንሳ ተበጊዝሱ ኣብ ጥልያን ዝውድእን፡ ብጠቕላላ 639.2 ኪ.ሜ ዝሽፍንን ኢዩ።

ኣብ ናይ ሎሚ 82.4 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ናይ ዓቐበት ቅድድም፡ ኣባል ጋንታ እስራኤል ሳይክሊንግ ኣካዳሚ ብሪጣንያዊ ሆሊማን ማሶን ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ። ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ናሆም ዘርኣይ መበል 18 ደረጃ ብምእታው ዝነኣድ ዓወት ኣመዝጊቡ። ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኤፍሬም ገብርሂወት ብወገኑ፡ መበል 119 ተርታ ሒዙ ጸወትኡ ዛዚሙ ኣሎ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ቀዳማይ መድረኽ ቅድድም፡ ተቐዳደምቲ ካብ ደቡባዊት ክፋል ፈረንሳ እትርከብ ማእከል ስሕበት ቱሪስት ዝኾነት ሴይንቲ ገርቬስ ተበጊሶም፡ ብ36.9 ኪ.ሜ ኣብ ሰዓት እንዳተጓዕዙ፡ ኣብታ ዓዲ ዜሮም ብምብጻሕ ኢዮም ጸወትኦም ዛዚሞም።

ጂሮዲ ዴላ ቫሊ፡ ጽባሕ ሓሙስ 124.5 ኪ.ሜ ዝሽፍን፡ ኣብ መሬት ጥልያን ዝካየድ ካብ ሴይንት ክርስቶፍ ተበጊሱ፡ ዘይሩ ኣብ ከተማ ሰይንት ክርስቶፍ ዝውዳእ ዓቐበት ዝበዝሖ 2ይ መድርኽ ውድድር ከካይድ ኢዩ።
ኤሪ-ሳት ንኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ጽቡቕ ዕድል ትምነ!