ሓላፊ ተሓዝቲ መዝገብ እዚ-ደቡብ ዝነበር ኣባል 9ይ ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተለንተ ክብሮም ክፍለማርያም  ተቐቲሉ ኣብ ጎደና ተደርቢዩ ከምእተረኽበ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንደሞክራሲ ንፍትሒ ኣቃሊዑ።

እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ዝለኣኸልና ሓበሬታ፣ ተለንተ ክብሮም ኣብ እዚ-ደቡብ ገዚፍ ምጥፍፋእ ንብረት ከምዝተራእየ ኣብ ናይ 2021 ዓመታዊ ጸብጻብ ድሕሪ ምምልካቱ፣  ንላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ እዚ ኣብ ሻቕሎት ክሽመሙ ገይሩ ምጽንሑ፣ ነቲ ምጥፍፋእ እተጻሪ ሽማግለ ቈይማ ስርሓ ተጻፍፍ እንዳሃለወት ድማ ፡ ዝሓልፈ ወርሒ ሰነ ናይዚ ዓመት ተቐቲሉ ከምዝተረኽበ ተፈሊጡ።

እቲ ምስ ወተሃደራዊ ክዳኑ ተደርብዩ ዝጸንሐ ተለንተ፡ ካብ እንዳደቆ ናብ ደቀምሓረ ዝጓዓዙ ብዝነበሩ ዜጋታት ዝተረኽበ ኮይኑ፣ እቶም ዜጋታት ሻቡ ንፖሊስ ከምዝሓበሩ፣ ፖሊስ ኣብ ቦታ ቅትለት ተረኺቡ ድሕሪ ዘቃነዖ ኣፈናዊ መርመራ ድማ ተለንተ ክብሮም ክልተ ግዜ ኣብ ኣፍልቡ ብጥይት ተሃሪሙ ከምእተቐትለ ዝሕብር ጸብጻብ ብ23 ሰነ ናብ ሓለፍቲ እዚ-ደቡብ ከምዘሕለፈ  ክርዳኣ ተኻኢሉ።

ሓለፍቲ እዚ-ደቡብ ሬሳ ኣባሎም ሻቡ ክወሃቦም ድሕሪ ምጥላብ ፣ ስዉእ ተሌንተ ክብሮም ብቕልጡፍ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ንኡስ-ዞባ ደቀምሓራ ሓመድ ክለብስ ከምዝገበሩ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ተሌንተ ክብሮም ብገለ ካብ’ቶም ኣብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻብ ብዝሰፈረ ምጥፍፋእ ክሕተቱ ዝኽእሉ ሓለፍቲ ተቐንጺሉ ከይከዉን ዘመላኽት ኣብነት ከምዘሎ ዝጠቐሰ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ንደሞክራሲ ንሓርነት፣ እቲ ግዳይ ባዕሉ ነብሱ ከምዘጥፍአ ዘስምዕ ወረ ኮነ ኢልካ ብገለ ሓለፍቲ ክንዛሕ ምቕናዩ ሓደ ኣብነት ከምዝኾነ የረድእ።

ጸብጻብ ፖሊስ ከምዝነጽሮ ግና ፡ ቀተልቲ ተለንተ ክብሮም ነቲ ገበን ንምኽዋል ካብቲ ዝተሃርመሉ ቦታ ኣስታት 20 ሜትሮ ጎቲቶም ናብ ከውሊ ከም ዘግዓዝዎ፣ ዓጢቕዋ ዝነበረ ብሬታ ዝዓይነታ ሽጉጥ ድማ ናይ ተዂሲ ምልክት ይኹን ካብ ካዝና ዝጎደለ ጥይት ከምዘይነበራን እዩ።

ፖሊስ ደቀምሓረ  ንዝያዳ ምርመራ ንሓለፍቲ ሎጆስቲክ እዚ-ደቡብን መሳርሕቲ ክብሮምን ንኸዘራርብ ኣብ ዝጠለበሉ፡ “ምቁጽጻር ስነ-ስርዓት ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ ኮሚቴ ኣወጺኡ ክምርምሮ ጀሚሩ ስለ ዘሎ ባዕልና ሒዝናዮ ኣሎና” ዝብል መልሲ ተዋሂብዎ ካብቲ ጉዳይ ከምዝተገለለ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እንተኾነ ክሳብ ሕጂ በቲ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻብ ዝሰፈረ ከቢድ ምጥፍፋእ ንብረት ይኹን፡ ብቕትለት ተለንተ ክብሮም ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ የለን ።

ዝሓልፈ ዓመት ፣ ወከልቲ ኣሃዱ ሎጆስቲክን ተሓዝቲ መዝገብን እዚ-ደቡብ ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ሓለፍቲ ሎጆስቲክ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ኣስመራ ተኻይዱ ከምዝነበረ ፣  ኣብቲ ኣኼባ ድማ፡  ኣብ እዚ-ደቡብ ጥራይ ግቡእ ሰነዳት ቅብሊት ከይተታሕዘሉ ዝወጸ ኣስታት 9 ሽሕ ኩንታል ዝግመት ኣእካልን ዘይቲን ተጠፋፊኡ ምንባሩ እዩ ተሓቢሩ።