ዝሓለፈ 7 ሓምለ ኣብ ንእሽቶ ከተማ ስቲቭኔጅ ተቐቲሉ ኣብ ጫካ ተደርብዩ ዝተረኽበ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ስደተኛ ፣ በረኸት ሰሉም ዝተባህለ ኤርትራዊ ምዃኑ ፖሊስ እታ ከተማ ኣረጋጊጹ። ነባሪ እታ ንእሽቶ ከተማ ዝኾነ ሰለሙን ኣብ ኣካላቱ ሓያለ ናይ ካራ መዉጋእቲ ከምዝጸንሖ ዝሓበረ ፖሊስ ስቲቭኔጅ ፣ ነቲ ጉዳይ ብደቂቕ ይምርምሮ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

መንእሰይ በረኸት ቅድሚ ሒደት ዓመታት ብመስርሕ ዑቕባ ናብ እንግሊዝ ዝኣተወ እዩ። ወለዱን መቕርቡን ሞቱ ከምእተረድኦም ዝሓበረ ፖሊስ  ስቲቭኔጅ ፣ ቀተልቱ ንምርካብ ምስ ማሕበረኮም ኤርትራዉያን እቲ ከባቢ ብቐረባ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ናይ ካራ መጥቃዕትታት ኣዝዩ ከቢድ ገበን ምዃኑ ዘተሓሳሰበ ፖሊስ ኣታ ከተማ፣ ኣማዉታ ኣቲ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣመና ኣተሓሳሲብዎ ምህላዉ እዩ ዝገልጽ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ፈረንሳ፣ ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ጥራይ ክልተ ኤርትራዉያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ልዕሊ ሰብ ናይ ካራ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ሰብ-መዚ እታ ሃገር ይገልጹ ኣለዉ።

ጓል 36 ዓመት ኤርትራዊት ሓታቲ ዑቕባ ነባሪት ከተማ ብርዧ ንኣላይት ማሕበራዊ ጉዳያታ ዝኾነት ፈረንሳዊት ደጋጊማ ብኻራ ኽትወግኣ እንከላ ፣ ነባሪ ከተማ መንፖልየ ዝኾነ ወዲ 26 ዓመት ካልእ ኤርትራዊ ሓታቲ ዑቕባ ድማ ኣብ ልዕሊ ጓል 47 ዓመት ጓል-ኣነስተይቲ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቶም ክልተ ኤርትራዉያን ኣብ’ዚ ግዜ እዚ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ፍርዳዊ መስርሕ ይጽበዩ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ ዒድ-ኣላድሓ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ሓደ መዘናግዒ ማእከል ኣብ ሞንጎ ኤርትራዉያን ብዘጋጠመ ባእሲ እዉን ሓደ ሰብ ብኻራ ተወጊኡ ከምእተቐትለ ይዝከር። ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፣ ዛህራን ዩስራንን ዝተባህላ ደቂ 19ን 23ን ዓመት ኤርትራዉያን ነበርቲ ኤልምሾርን ናይ ምምሕዳር ፒንበርግ ጀርመን ብዘሰቅቕ ኣገባብ ምቕታለን እዉን ኣይርሳዕን።

ካብ ዉሽጢ ዓዲ ብቐጻሊ ክበጽሑና ዝጸንሑ ርይቶታትን ለበዋታትን ህዝቢ ፣ ኤርትራዊ መንእሰይ ናብ ስደት ዘምረሖ መሰረታዊ ጠንቂን ዕላማን ይዝንግዕ ከይህሉ ዘተሓሳስቡ ኾይኖም፣  ኣብ ልዕሊ መጻምድትኻ ፡ ብጾትካ ፡ ኣሕዋትካን መቕርብካን ክሳዕ ህይወት ምሕላፍ ዝኸዱ ኣካላዊ ምጥቕቓዕ ብዝኾነ መለክዒ ተቐባልነት ከምዘይህልዎ ዝመኽሩ’ዮም።

ኤርትራዉያን መንእሰያት ስደት፡ ብዝነኣሱ ግድላት ናብራን ኲነታትን ተናዊጾም ኣብ ልዕሊ ህይወቶምን ህይወት ካልኦትን ሓደጋ ኪወድቊ ኽትርእይ ዘሕዝን ኮይኑ፣ እቶም መንእሰያት ንናብራኦምን ኩነታቶምን ምስቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ኮይኑ ዝኾነ ፍጡር ክጸሮ ንዘይክእል ሕሰም ተጸሚሙ ንመጻኢ ዝትስፎ ዘሎ ህዝቦም ብምንጽጻር ፣ “ንሕና ንሓይሽ” ክብሉ የድልዮም ኣሎ።