ኣብ ኤርትራ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ምብጻሕ ስራሕ ዛዚሙ ንሃገሩ ዝተመልሰ ሓድሽ ፕረዚደንትን ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ንምምላስ ናይ’ቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ሶማላዉያን ተዓላሞ ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ዘይምሃቡ ንሓያለ ዜጋታት እታ ሃገርን ወለዲ እቶም ተዓላሞን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።
እቲ ሶማላዊ ፕረዚደንት ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ ብ13 ሓምለ ምስ ገለ ካብ ወለዲ እቶም ተዓላሞ ተራኺቡ ኣብ ዝገበሮ ዕላል፣ ወለዲ ደሃይ ደቈም ብተሌፎን ኪገብሩ ኪኽእሉ ከምዝኾኑ ካብ ምሕባር ሓሊፉ ብዛዕባ ዝምልስሉ ዕለትን ሰዓትን ኪዛረብ ኣይተሰምዐን።
ፕረዚደንት ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ሶማላዉያን ተዓላሞ ሒዝዎም ኪመጽእ’ዩ ዝብል ልዑል ተስፋ ኣብ ወለዲን ህዝቢን ሶማል ምጽንሑ ዝሕብሩ ጸብጻባት፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ’ቲ ጉዳይ ጭቡጥን ብቐረባ ዝርአን ፍረ ከይሓዘ ምምላሱ ንብዙሓት ኣቘጢዑ ከምዘሎ ይገልጹ።
ኣብ ኤርትራ ይዕለሙ ኣለዉ ካብ ዝበሃል ሳልሳይ ዓመት ዝቚጸረሎም ዘሎ ሶማላዉያን ወተሃደራት ፣ ምስ ምብጻሕ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብሃታ ሃታ ዝተቓንዐ ጽንብል መመረቕታ ከምእተወደበሎም ዝዝከር ኮይኑ፣ መንግስቲ ሶማል ንኩነታት እቶም ተዓላምን መዓስ ክምለሱ ምዃኖምን ዛጊት ዝሃቦ ንጹር ሓበሬታ የለን።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ’ቲ ናይ ኤርትራ መገሻኡ ምስ ህግደፍ ሸዉዓተ ነጥብታት ዝርከቦ ናይ ምርድዳእ መዘክር ምኽታሙ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ሓያለ መዳያት ብሓባር ክስራሕ ዝድርኹ ነጥብታት ስምምዕ ተገይርሎም ኣንዳሃለወ ንኣሽሓት ስድራቤታት ሶማላዉያን ተዓላሞ ኣሻቒሉ ዘሎ ጉዳይ መጻኢኡ እንታይ ኪኸዉን እዩ ኣብ ዝብል ዛዕባ ንጹር መልሲ ኪርከብ ዘይምኽእሉ ንብዙሓት ኣገሪሙ ይርከብ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ምስ ሃገራት ምዕራብ ብሓፈሻ ምስ ኣመሪካ ድማ ብፍላይ ቅልጡፍ ምቅርራባት ንዘረጋግጽ ዘሎ ሓድሽ ሶማላዊ ፕረዚደንት ንምጽላዉ ፣ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሶማላዉያን ተዓላሞ ከም ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን መዋገዪ ኽጥቀመሉ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ 2019 በብእብረ ናብ ኤርትራ ዝተላኣኩ ሶማላዉያን፡ ናብ ቐጠር ከይዶም ከምዝዕለሙ እንዳተነግሮም ብከዉሊ ናብ ኤርትራ ከምዝተወስዱ ዝንገር ኮይኑ፣ ልዕሊ 5.400 ሶማላዉያን ናብ ኤርትራ ኣትዮም ኣብ ሰለስተ መደበራት ታዕሊም ከምዝሰልጠኑ እየን ማዕከናት ዜና ሶማል ዝሕብራ።
እዚ ብዘይ-ኣፍልጦ ዝበዝሑ መንግስታዉያን ኣካላት ሶማልን ህዝቢ እታ ሃገርን ንዊሕ ዝቐጸለ ጉዳይ ኣብ ምዝዛም 2020 ኽቃላዕ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ኣብ ህዝቢ ሶማል ብሓፈሻ ኣብ ወለዲ’ቶም ንታዕሊም ዝተወስዱ ድማ ብፍላይ ሓያል ቊጥዐ ኸልዓዕልን ፡ ንኣበየ-ህላወን ምምላስን እቶም ተዓላሞ ዝጽውዑ ሰለማዊ ሰልፍታት ክሕይልን ምጽንሑ ይፍለጥ።