ሎሚ 15 ሓምለ 2022 ብወግዒ ዝተጀመረ፡ ናይ ዓለም ሻምፒዮን ኣትሌቲክስ ንተኸታተልቲ 10 መዓልታት ዝተፈላለየ ዓይነት ውድድር ኣትሌቲክስ ከካይድ ኢዩ። እዚ ኣብ ኣሜሪካ ስቴት ኦሪገን ዝካየድ ውድድር ኣትሌትክስ፡ 10 ኤርትራውያን ክሳተፍዎ ኢዮም።
ካብ ኣወዳት ኣትሌታት ፊልሞን ዓንደ፡ ጎይቶም ክፍለ፡ ዑቕበ ክብሮም፡ ከምኡ’ውን እስቂኤል ተወልደ ብማራቶን ጉያ ክሳተፉ ‘ከለዉ፡ ኣትሌት ሃብቶም ሳሙኤል ብ 10,000 ሜትሮ፡ ኣትሌት መርሃዊ መብራህቱ ድማ ብ 5000 ሜትሮ ናይ ትራክ ጉያ ክወዳደሩ ኢዮም። ብተወሳኺ፡ኣትሌት የማነ ሃብተስላሴ ብ 3000 ሜትሮ፡ ናይ መሰናኽል ጉያ (steeplechase) ክወዳደሩ ኢዮም።
ካብ ደቀንስትዮ፡ ኣትሌት ራሄል ዳኒኤል ብ 5000 ሜትሮ ን 10,000 ሜትሮን ናይ ትራክ ጉያ ክትወዳደር ኢያ። ብተወሳኺ ኣትሌት ዶልሺ ተስፉ ብ 10,000 ሜትሮ ናይ ትራክ ጉያ ክትሳተፍ’ከላ ኣትሌት ናዝሬት ወልዱ ድማ ናይ ማራቶም ውድድር ክተካይድ ኢያ።
ጓል 20 ዓመት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ራሄል ዳኒኤል፡ ኣብ 2020 ኣብ ቶኪዮ ኣብ ዝተኻየድ ኦሎምፒክ፡ ብ 5000 ሜትሮ ጉያ ዝተሳተፈት ኮይና፡ ኣብ ለካቲት 2020 ኣብ ከተማ ኣልቡፌሪያ ፖርቱጋል ኣብ ዝተኻየደ ክሮስ ካንትሪ ኸኣ 2ይ ደረጃ ብምሓዝ ጽቡቕ ውጽኢት ዘለዋ ኣትሌት ምኻና ይፍለጥ።
ኦሎምፒካዊ ኣትሌት የማነ ሃብተስላሴ፡ ኣብ ሃገርና ልሙድ ዓይነት ጉያ ኣብ ዘይኮነ ዓይነት ስፖርት – ናይ መሳናኽል ጉያ ክሳተፍ ኢዩ። ንሱ ናይ ኤርትራ ክብረወሰን ብ 8:22.52 ጊዜ ዝሓዘን፡ ኣብ 2016 ኣብ ዝትኻየደ ትሕቲ 20 ዓመት ሻሚፕዮን ዓለም፡ ብ 3000 መሰናኽል ጉያ ተሳቲፉ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ኔሩ። ኣትሌት የማነ ኣብ 2015 ኣብ ቻይና ዝተኻየደ ናይ ማእከሎት ናይ ዓለም ክሮስ ካንትሪ ጉያ 3ይ፡ ከምኡ’ውን ኣብ 2018 ኣብ ናይጄሪያ ዝተኻየደ ናይ 5000 ጉያ 3ይ ደረጃ ሒዙ ጸወትኡ ዛዚሙ ኢዩ። ብተወሳኺ፡ ኣትሌት የማን ሃብተስላሴ፡ ኣብ 2016 ኦሎምፒክ ሪዮ ምስታፉ ይፍለጥ።
ኣትሌት ጎይቶም ክፍለ፡ ንኤርትራ ወኪሉ ብዙሓት ዓለምለኻዊ ውድድራት ዘካየደ ኮይኑ፡ ኣብ ናይ ዓለም ሻምፒዮን ኣብ 2011 ን 2013 ክሳተፍ ክኢሉ ኢዩ። ጎይቶም ኣብ 2009 ኣብ ከተማ ብሪክሰን ጥልያን ኣብ ዝተኻየደ ናይ መንእሰያት ሻምፒዮን ዓለም ኣብ 3000 ሜትሮ ጉያ፡ 3ይ ደረጃ ሒዙ ጸወትኡ ምዝዛሙ ይፍለጥ።
ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ጓል 32 ዓመት ናዝሬት ወልዱ፡ ንኤርትራ ወኪላ ኣዝዩ ብዙሕ ዓለም ለኻዊን ናይ ውሽጥን ውድድራት ዘካየደት ኮይና፡ ካብ’ቲ ብዙሕ ዓወታታ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ሚያዚያ 2022 ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝተኻየደ ዳጉ ማራቶን፡ ቀዳመይቲ ኮይና ብምዕዋት፡ 3 ክብረወሰናት ምስባራ ይዝከር።
ኤሪ-ሳት ንኤርትራውያን ኣትሌታት ጽቡቕ ዕድል ትምነ!