ሎሚ ዓርቢ ዕለት 15 ሓምለ 2022 ኣብ ዝተኻየደ 138.8 ኪ.ሜ ዝሸፈነ 3ይ መድረኽ ጂሮ ዴላ ቫሌ ዳኦስታ፡ ኣባል ስዊዘርላንዳዊ ክለብ ‘ቱዶር ፕሮ ሳይክሊንግ ቲም’ ፈረንሳዊ ኣሌክስ ባውዲን ቀዳማይ ኮይኑ ተዓዊቱ።
ኣብዚ ቅድድም ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ ኩቤካ ናሆም ዘርኣይ መበል 34 ደረጃ ፡ ኤፍሬም ገብረሂወት ድማ መበል 78 ደረጃ ሒዞም ውድድሮም ዛዚሞም። እቲ ዙር ብዙሓት ኣብ ዓዶምን ኣብ ካልኦት ጸወታታትን ዓወት ዘመዝገቡ ሓያላት ተቐዳደምቲ ዝሳተፍዎ ኣብ ጎቦታት ዝካየድ ውድድር ኢዩ።
ተቐዳዳማይ ኣሌክስ ባውዴን ኣብ 2022፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ኤፍሬም ገብረሂወት ኣብ ዝተሳተፎ ቱር ብሪታነ ተወዳዲሩ፡ ኣብ ናይ መንእሰያት 1ይ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ሓፈሻዊ ጊዜ ውድድር 2 ኮይኑ ዝተዓወተ ኢዩ።
ናሆም ዘርኣይ ብውህሉሉ ጊዜ ሓንቲ ደረጃ ኣማሒሹ፡ ካብ መራሒ ናይዚ ዙር ዝኾነ ፈረንሳዊ ሌኒ ማርቲነዝ ብ 1 ደቒቕን 43 ካልኢትን ጥራይ ደንጉዩ መበል 11 ደረጃ ተሰሪዑ ይርከብ። ናሆም ዘርኣይ ኣብዚ ኣዝዩ ሓያል ዝኾነን፡ ኣብ ሓሙሽቲኡ መድረኻት ዓቐበታት ዝበዝሖ ናይ ጎቦ መድረኻት ዝሓዘ ውድድርን ተሳቲፉ ዘርእዮ ዘሎ ብቕዓት ኣዝዩ ዝነኣድ ኢዩ።
ጽባሕ ዕለት 16 ሓምለ 2022፡ 4ይ መድረኽ 178 ኪ.ሜ ዝሽፍን ኣብ ዓቐበት ዝውዳእ ናይ ጎቦ ውድድር ከካይድ ኢዩ።