ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ግያሾ ተወሳኺ ጸቕጢ ይፈጥሩ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
ከም መርኣያ ናይ’ዚ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ካብ ሰለስተ ሽሕ ዶላር ንላዕሊ ጥረ ገንዘብ ሒዞም ንዝርከቡ ኤውርትራውያን፡ ብዙሕ መርመራታት ይገብርሎምን መገሻኦም የተዓናቕፍዎምን ስለዘለዉ፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ናብ ኢትዮጵያ እትገሹ ኤርትራውያን ኣድላይ ጥንቃቐታት ኽትገብሩ ይግባእ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ፣ ኤርትራዉያን ገያሾ ይኹን ስደተኛታት ንቚጠባ እታ ሃገር ብወግዒን ብዘይወግዒን ይጸልዉ ኣለዉ ዝብል መረዳኣታ ኣዛይዱ ብምህላዉ፣ ኣብ’ዚ ቅንያት ንኤርትራዉያን ሓለፋ ዘነጻጸረ ምዃኑ ዝንገረሉ ጽኑዕ ምዝገባ ብመንገዲ ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን ኣተሓላሊፉ ምህላዉ ይፍለጥ።
ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሪሽንን ኢትዮጵያ፣ ቪዛኦም ዝወደቐ\ዕለት ዘሕለፈ፡ መንበሪ ፍቓዶም ዝሓረረ፡ ብዘይ ቪሳ ይዂን መንበሪ ፍቓድ ክነብሩ ዝርከቡ፡ ከምኡ’ዉን ሕቶ ዑቕባኦም ዝተዋሕሰሎምን ኣብ መስርሕ ዘሎን ስደተኛታት ነበርቲ ከተማ ኣዲስ-ኣበኣን ከባቢኣን ፣ ንቀዳመ-ሰንበት ሓዊሱ ካብ 18 ሓምለ ክሳብ 1 ነሓሰ 2022 ኣብ ዘሎ ኣብ ከከባቢኦም ክምዝገቡ ጽኑዕ ምልክታ ኣዉጺኡ ምህላዉ ይንገር።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ነቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ዝሕርፍፍ ዘሎ ዝምድና ኸስተብህልሉ ከምዝግባእ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ንኤርትራን ኣብ ኤርትራ ንዘሎ መሪሕነትን ዝጸንሖ ኣጠማምታ ኣሉታዊ መልክዕ ይሕዝ ምህላዉ ከምዘሎ፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝቕመጡ ኤርትራዉያን ነዚ ኣብ ግምት ኣእትዮም ኣብ ምንቅስቓሶቶም ጥንቃቐ ከቐድሙ ከምዝግባእ እዮም ምንጭታት ኤሪሳት ካብታ ከመማ ብተደጋጋሚ ዝጽውዑ ዘለዉ።
ብዙሓት ኤርትራዉያን ነበርቲ ኣዲስ-ኣበባ ፡ ኩነታት ከምቲ ኣብ እዋን ምዉቕ ምሕዝነት ኣቢይን መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ዝነበሮ ከይተቐየረ ይቕጽል ይመስሎም ምህላዉ ዝሕብሩ እቶም ምንጭታት፡ እቶም ኤርትራዉያን ካብዚ ርድኢት እዚ ግልል ኢሎም ብጥንቃቐ ክናበሩ እዮም ተላብዮም።
መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኤርትራ ዝጸንሖ ሽርክነት ላሕሊሑ፡ ኣብ ሞንጎኡን መራሒ ጉጅለ ህግደፍን ዘይወግዓዊ ጽልኢ ሰሚሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝነብሩን ካብ ወጻኢ ናብታ ከተማ ዝገሹን ኤርትራዉያን ከምቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረ ምቕሉልነትን ነጻነትን ክጽበዩ ከምዘይብሎም እዩ ዝንገር።