ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣርባዕተ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ብምርድዳእ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ትካላት ጸጥታ ተፈቲሖም ብ12 ሓምለ ኣስመራ ከምዝኣተዉ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ንደሞክራሲ ንሓርነት ሓቢሩ።

እቶም ካብ ቤት ማእሰርቲ ብቀጥታ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብንጥፈታት ዘይሕጋዊ  ሸርፊን ምዝውዋር ገንዘብን ተጠርጢሮም ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኮይኖም ኣስማቶም እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

ነጸረኣብ ተዓረ ሃይለማርያም፦ ካብ 1999 ኣትሒዙ ከም ኣባል ኩባንያ ቀይሕ ባሕሪ (09) ኮይኑ ዘገልገለ፡ ኣብ 2004 ከኣ ናብ ጸጥታ ሃገራዊ ድሕነት ተሳሒቡ ኣብ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ከንያ፡ ኡጋንዳ ወዘተ ኮይኑ ምስ ክፍሊ ናይ ወጻኢ ስለያ ሃገራዊ ድሕነት ዝሰረሐ። ድሕሪ ምኽታም ውዑል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኑ ዕማማት ህግደፍ ከሰላስል ዝጸነሐ።

ምክትል ተለንተ ዓብዱ መሓመድ፦ ኣባል ጸጥታ ሃገራዊ ድሕነት ዞባ ጋሽ ባርካ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ካብ 2020 ኣትሒዙ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመዲቡ ክሳብ ዝእሰር ንዘይሕጋዊ ንግዲ ህግደፍ ከሰላስል ዝጸነሐ።

ምሕረትኣብ ክፍሉ መንግስተኣብ፦ 5ይ ዙርያ ሃገ/ኣገልግሎት ኮይኑ፡ ከም ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ፋይናንስ ዞባ ደብብ ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ፡ ካብ 2020 ኣትሒዙ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመዲቡ ክሳብ ዝእሰር ኣብ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ህግደፍ ተዋፊሩ ዝነበረ።

ተለንተ ቢንያም ኣርኣያ ሃብቶም፡- ኣቐድም ኣቢሉ መርማሪ ገበናት ዝነበረ፡ ድሒሩ ከኣ ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዞባ ማእከል፡ ካብ 2020 ኣትሒዙ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመዲቡ ክሳብ ዝእሰር ንህግደፍ ክሰርሕ ዝጸነሐ።

ብዘይካ እዞም ድሕሪ ናይ 5ተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ተፈቲሖም ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ኣባላት ጸጥታ፡ ካልኦት ኩባንያ 09 ኣብ ኢትዮጵያ ኣዋፊርዎም ዝጸንሐ 8ተ መንእሰያት፡ ብሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ተታሒዞም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘለዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኩባንያ ቀይሕ ባሕርን ህግደፍን፡ ነብሶም ካብ ገበን ነጻ ንምምሳል ብስም ዉልቀሰባት ኣብ ሓያለ ሃገራት ወፍርታት ከምዘቃንዑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ነዞም ባዕሎም ዘዋፈርዎም 8ተ ኣባላቶም ዝኾኑ መንእሰያት ክሒደሞም ኣለዉ። ገለ ካብቲ ዘቕረብዎ ዕባራ ምኽንያት ከኣ፡ እዚኦም ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ብ ኣራ ዝወሃብ ናይ ስደተኛ ካርድ ዘለዎምን ኢዮም ዝብል ምጉት ይርከቦ።