መንግስቲ ሶማል ብዛዕባ እቶም ኣብ ኤርትራ ንዓመታት ክዕለሙ ጸኒሖም ዝበሃሉ ወተሃደራቱ ዝዝረብ ዕላላት ሓሶት ከምዝኾነ ደጊሙ ካብ ምግላጽ ሓሊፉ፣ ንምምላስ እቶም ወተሃደራት ብዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ክህብ ገና ተጸጊሙ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ወሃቢ ቃል ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማል ዓብደልከሪም ዓሊ ካር፡ ብ19 ሓምለ ብተሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ሶማላዉያን ተዓላሞ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ተሳቲፎምን ፡ ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ብህግደፍ ልዕሉ መጠን ገንዘብ ተሓቲቱ ከም ጅሆ ተታሒዞም ኣለዉን ዝብሉ ዘረባታት ካብ ሓቂ ዝረሓቚ ምዃኖም እኳ እንተሓበረ፣ እቶም ሶማላዉያን መዓስን ብኸመይን ክምለሱ ምዃኖም ግን ዝኾነ ቃል ኣየምሎቐን።
እቲ ወሃቢ ቃል ኣቐዲሙ ኣብ ምጅማር ወርሒ ሓምለ ምስ ቴለቪዥን ሶማል ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት’ዉን፣ ካብቶም ንወተሃደራዊ ታዕሊም ናብ ኤርትራ ዝተላኣኩ ሶማላዉያን ኣብ እዋን ታዕሊም ዝሞቱ ከምዘለዉ ፣ ወለዲ ናይቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ወገናት ድማ ድሮ ይርድኡ ከምዘለዉ ጠቒሱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
“ህግደፍ ነቶም ሶማላዉያን ንምዕላም ዝገበሮ ወጻኢታት ብምጽብጻብ ብውሑዱ 50 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ካብ መንግስቲ ሶማል ከይተቀበለ ነቶም ተዓላሞ ከረክቦም ከምዘይኮነ ይዛረብ ኣሎ” ዝብል ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ምዃኑ እዉን እቲ ወሃቢ ቃል ኣብ’ቲ እዋን ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ካልኣይ ሰሙን ናይ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኤርትራ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ምብጻሕ ስራሕ ዛዚሙ ንሃገሩ ዝተመልሰ ሓድሽ ፕረዚደንትን ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ንምምላስ ናይ’ቶም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ሶማላዉያን ተዓላሞ ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ ወግዓዊ መግለጺ ዘይምሃቡ ንሓያለ ዜጋታት እታ ሃገርን ወለዲ እቶም ተዓላሞን ኣተሓሳሲቡ ይርከብ።
እቲ ሶማላዊ ፕረዚደንት ናብ ሃገሩ ድሕሪ ምምላሱ ብ13 ሓምለ ምስ ገለ ካብ ወለዲ እቶም ተዓላሞ ተራኺቡ ኣብ ዝገበሮ ዕላል፣ ወለዲ ደሃይ ደቈም ብተሌፎን ኪገብሩ ኪኽእሉ ከምዝኾኑ ካብ ምሕባር ሓሊፉ ብዛዕባ ዝምልስሉ ዕለትን ሰዓትን ኪዛረብ ኣይተሰምዐን።
ኣብ ኤርትራ ይዕለሙ ኣለዉ ካብ ዝበሃል ሳልሳይ ዓመት ዝቚጸረሎም ዘሎ ሶማላዉያን ወተሃደራት ፣ ምስ ምብጻሕ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ብሃታ ሃታ ዝተቓንዐ ጽንብል መመረቕታ ከምእተወደበሎም ኣይርሳዕን።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ’ቲ ናይ ኤርትራ መገሻኡ ምስ ህግደፍ ሸዉዓተ ነጥብታት ዝርከቦ ናይ ምርድዳእ መዘክር ምኽታሙ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ ሓያለ መዳያት ብሓባር ክስራሕ ዝድርኹ ነጥብታት ስምምዕ ተገይርሎም ኣንዳሃለወ ንኣሽሓት ስድራቤታት ሶማላዉያን ተዓላሞ ኣሻቒሉ ዘሎ ጉዳይ መጻኢኡ እንታይ ኪኸዉን እዩ ኣብ ዝብል ዛዕባ ንጹር መልሲ ኪርከብ ዘይምኽእሉ ንብዙሓት ኣገሪሙ ይርከብ።
መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ፣ ምስ ሃገራት ምዕራብ ብሓፈሻ ምስ ኣመሪካ ድማ ብፍላይ ቅልጡፍ ምቅርራባት ንዘረጋግጽ ዘሎ ሓድሽ ሶማላዊ ፕረዚደንት ንምጽላዉ ፣ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ሶማላዉያን ተዓላሞ ከም ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን መዋገዪ ኽጥቀመሉ ምዃኑ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።