ምስ ኮሚተ ዘተ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያ እትዘራረብ ጉጅለ ኣቚሙ ምህላዉ ዝሕብር ዘሎ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ፖለቲካዊ ነዊጺ ክዛይድ ይሰርሓ ኣለዋ ንዝበለን ሰልፍታት እታ ክልል ተሪር መጠንቀቕታ ከምዝሃበ ተሓቢሩ።

ቤት-ጽሕፈት ዝምድናታት ወጻኢ እቲ ክልላዊ መንግስቲ ኣብ’ዚ ቅንያት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ገለ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት ትግራይ ንሕጋዉነትን ህላወን መንግስቲ እታ ክልል ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ መርገጺታት የንጸባርቓ ከምዘለዋ እዩ ከሲሱ።

ብጸቓጢ ኣካይዳታትን ወገናዉነትን ናይ’ቲ ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብሒቱ ኣሎ ዝብልኦ ህወሓት ዘይተሓጎሳ ገለ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት እታ ክልል ፣ ቅሉዕ ተቛዉሞአን ካብ ግዜ ናብ ግዜ የርእያ ምህላወን ይንገር።

ዝሓለፈ 23 ሰነ ፣ ሰለስተ ፖለቲካዉያን ሰልፍታት ትግራይ ኣብ ዘውጽአኦ ሓባራዊ መግለጺ፣ ህወሓት ኣብዚ ግዜ’ዚ ሕጋዊ ወኪል ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን ብምባል ፣ ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኪቃናዕ ተቓሪቡ ዘሎ ዘተ ሰላም ገዚፍ ስክፍታ ከምዘለወን ኣነጺረን እየን።

ሰልፍታት ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፣ ሳልሳይ ወያን ትግራይ ከምኡ’ዉን ዉድብ ናጽነት ትግራይ ኣብ መግለጺአን፣ ህወሓት ንድምጽን ድሌትን መላእ ህዝቢ ትግራይ ዝዉክል ዛዕባታት ከይሓዘ ናብ’ቲ ዘተ ሰላም ክቐርብ ተዳልዩ ምህላዉ ብምዉቃስ፡ ንዝተፈላለዩ ሸነኻት ህዝቢ ትግራይ ዝዉክሉ ፖለቲካዉያን ሓይልታት ኣብ’ቲ ብወገን ትግራይ ኪህሉ ዘለዎ ኣጠቓላሊ መርገጺ ርይቶታቶምን ተሳትፎኦምን ከይዋጽኡ ከልኪሉ ከምዘሎ እየን ኣተሓሳሲበን።

ህወሓት ቅድሚ ናብ’ቲ ዘተ ሰላም ምቕራቡ ንኹሎን ፖለቲካዉያን ሓይልታት ክልል ትግራይ ዘሳትፍ ዘተ ከልኪሉ፣ ንመርገጺታትን ድሌትን ዉድባት ድማ ቦታ ይኸልእ ከምዘሎ ዝኸሰሳ እተን ሰለስተ ሰልፍታት፣ በዚ ምኽንያት ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ሕጋዊ ወኪል ህዝቢ እታ ክልል ኮይኑ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘተ ክቐርብ ወድዓዊ ከምዘይኮነ እየን ግልጺ ገይረን።

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ነቶም ካብ ነዊሕ ኣቐሚጥዎም ዝጸንሑ ገዘፍቲ ቅድመኩነታት ከይወንዘፈ ኣብ’ቲ ዘተ ከምዝሳተፍ እዩ ብተደጋጋሚ ዝገልጽ። ፖለቲካዉያን ሰልፍታት እታ ክልል ግና ኪንዮ እቶም ቅድመኩነታት ዝኸዱ ክስምዑን ኣብ ግምት ክኣትዉን ዘለዎም ጉዳያት ከምዘለዉ እየን ዝምጉታ።