ሸዉዓተ ካብ መራሕያን ተሓለቕቲ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ናብ’ቲ ንዘይሕጋዊ ምድጓን ዝከታተል ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኽዎ ሓባራዊ ጥርዓን፣ ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ንልዕሊ 20 ዓመታት ተኣሲሮም ናይ ዘለዉ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከቦም ጋዜጠኛታት ጉዳይ ቅልጡፍ ፍታሕ ክረክብ ጸዊዖም።
ማእከል ሰብኣዊ መሰላት ራዉል ወልበርግ ፡ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፡ ኮሚተ ንድሕነት ስደተኛታት፡ ትካል ኣህጉራዊ ማሕበር ጠበቓታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ፔን ኢንተርናሽናል፡ ዲፈንድ ዲፈንደርስ፡ ፓርልያመንታርያንስ ፎር ግሎባል ኣክሽን ፡ ከምኡ’ዉን ንጉዳይ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዝከታተሉ ክኢላታት ሕጊ ሓቢሮም ኣብ ዝሰነድዎ ክሲ ፣ ጉጅለ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ድጎና ሕቡራት ሃገራት – ኣመትን ህላወን እቶም ኣብ ማእሰርቲን ስቓይን ዝርከቡ ኤርትራዉያን ጋዜጠኛታት ንምርግጋጽ ክሰርሕን፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣሲርዎም ዘሎ ስርዓት ተጽዕኖታት ብምዝያድ ንድሕነቶም ክጽዕርን ጸዊዖም ኣለዉ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ነጻነት ፕረስን ጋዜጠኛታትን ብህግደፍ ዝቕጽል ዘሎ ግህሰት ርእይቶታቶም ዘስፈሩ ኣካየድቲን ወከልቲን እተን ትካላት ፣ ዳዊት ኢሳቕን ብጾቱን እቶም ኣብ ዓለምና ንዝነዉሐ ዓመታት ተኣሲሮም ዝርከቡ ጋዜጠኛታት ከምዝኾኑ ኣዘኻኺሮም ኣለዉ።
ካብ መስከረም 2001 ብዘይወግዓዊ ክሲን ፍርዲን ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ 12 ጋዜጠኛታት ማለት፡ እድሪስ ስዒድ ኣባዓረ፡ ስዒድ ዓብደልቃድር፡ ዮሱፍ መሓመድዓሊ፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ መድሃነ ሃይለ፡ ተመስገን ገብረየሱስ፡ ማቲዎስ ሃብተኣብ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ዳዊት ኢሳቕ፡ ሳህለ ጸገዘኣብ፡ ስዮም ጸሃየ፡ ከምኡ’ውን ፍስሃየ ዮውሃንስ ደሃዮም ተነጊሩ ኩነታቶም ክፍለጥን ፍታሕ ክረክብን ፡ እዘን ትካላትን ካልኦት ኣህጉራዉያን ኣካላትን ብቐጻሊ ክጽውዑ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ፈረንሳ ዝመደበሩ ተሓላቒ ኣካል “ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ” (Reporters without boarder) ኣብ ናይ 2022 ጸብጻቡ፣ ብህግደፍ እትምራሕ ዘላ ኤርትራ ሕጂ’ዉን ንነጻነት ፕረስ ማሕንቘ ኮይነን ይቕጽላ ምስ ዘለዋ ዳሕረዎት ሃገራት ተሰሪዓ ምህላዋ ኣመልኪቱ እዩ። ኣብ 2021 ፡ ካብ 180 ሃገራት መበል 180 ደረጃ ዝሓዘት ኤርትራ ፡ ሎሚ ዓመት ንሰሜን ኮርያ ጥራይ በሊጻ መበል 179 ደረጃ ወኒና ትርከብ።
ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝኸይድ ዘሎ መስወርቲን ማእሰርቲን ዝኾነ ምምሕያሽ ኸየርኣየ ይቕጽል ምህላዉ እዉን፡ ሓላፊ ፍሉይ ተኸታታሊ ኣካል ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ሱዳናዊ መሓመድ ዓብዱለላም ባቢከር ብተደጋጋሚ ኽሕብር ጸኒሑ እዩ።
እቲ ፍሉይ ተኻታታሊ ኣካል ኣብ ዝሓልፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዘካፈሎ ናይ ሓደ ዓመት ጸብጻብ ፡ ኣብ ኤርትራ ዝምዝገብ ኩሉዓይነታዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ብዘይ ዝኾነ ምምሕያሽ ይቕጽል ከምዘሎ ኣስሚርሉ እዩ።
እቲ እዋናዊ ጸብጻብ፣ ንኤርትራ ዝመርሕ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ምቕናዕ ስርዓተ-ሕጊን ኣዉሓስቱ ዝኾና ትካላትን ፣ኣብ ምትዕርራይ ገደብ-ግዜ ሃገራዊ/ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ፣ ኣብ ምምሕያሽ ነጻነታት እምነት፡ ምትእኽኻብ፡ ሓስባካ ምግላጽን ፕረስን ፣ ኣብ ምግታእ ሃይማኖታዊን ቀቢላዊን ተነጽሎታት፣ ኣብ ምግታእን ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ፡ መጭወይቲን መስወርቲን ዘመሓየሾ ነገር ከምዘየለ እዩ፡ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጸብጻቡ ብዘይፍለ ሓቢሩ።