ኣብ ልዕሊ ፓትሪያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ቅድሚን ድሕርን ሞቶም ዝሓለፉ ዘይሕጋዊ ዉሳኔታት፣ ዘይሕጋዊ ምሻም ሓሙሻይ ፓትርያርክ ፣ ከምኡዉን ንቐጻሊ ጥሕሰት ሕጊን ስርዓትን ቤተክርስትያን ዝወገዙን፡ ምስ ጠሓስቲ እቲ ሕጊ ዝኾኑ ጳጳሳትን ሰዓብቲን ኣይንሓብርን ዝበሉን ገዳማዉያን ኣቦታት ገና በደላት ይበጽሖም ምህላዉ ተሓቢሩ።
በዚ መሰረት ኣብ ዉሽጢ እዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ሰሙናት፣ ሰለስተ መነኮሳት ገዳም ደብረቢዘን ተኣሲሮም ናብ’ቶም ቅድሚ ዓመታት ተኣሲሮም ዝርከቡ 6 ደቂ ገዳሞም ተጸንቢሮም ከምዘለዉ እዮም ምንጭታት ኣረዲኦም።
ብተወሳኪ ኣብ ስነስረዓት ቀብሪ ኣቡነ እንጦንዮስ ተኻፊልኩም ዝተባህሉ ሊቃዉንትን ካህናትን ካብ መሓድሮኦም ተባሪሮም 15 ሽሕ ናቕፋ ክኸፍሉ ተቐጺዖም ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ።
ኣብ ምሉእ ቊጽጽር ጉጅለ ህግደፍ ኣትዩ ዝነጥፍ ዘሎ መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤትክርስትያን ኤርትራ፣ ብተመሳሳሊ ምኽንያት ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ናይዚ ዓመት ንሓሙሽተ ኣቦታት መነኮሳት ገዳማት ኣቡነ ዮናስ ንማእሰርቲ ኣሕሊፉ ከምዝሃበ ይዝከር።
እቶም መምህር ዑንቀብርሃን ተወልደ፡ ኣባ የማነ ብርሃን ፡ ኣባ ተክለ ብርሃን ፡ ኣባ ኣብርሃምን ኣባ ሃብተ ዮናስን ዝተባህሉ መነኮሳት ገዳማት ኣቡነ ዩናስ፣ መንበረ ፓትሪያርክ ኣብ ጉዳይ ነፍስሄር ኣቡነ ኣንጠንዮስ ዝተኸተሎ ኣተሓሕዛን፡ 5ይ ፓትርያርክ ንሙሻን ዝፈጸሞ ጥሕሰትን ብምቁዋም ፡ ገዳሞም ምስ ኣካየድቲ እቲ መንበረ ንእዋኑ ሕብረት ከምዘይህልዋ ድሕሪ ምዝራቦም ከምእተኣስሩ ኣይርሳዕን።
መነኮሳት ኣቦታት ናይ ሕብረት ገዳማት ኣቡነ ዮናስን ደብረ ጽጌን ፡ ደብረ ጽዮንን ዓዲ ውስኽን ፡ ደብረ ሳሕልን ሙራደ ቃልን፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብዉሳኔታት ህግደፍ ዝምእዘን ዘሎ መንበረ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዘለዎም ኩነኔ ይዛይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ዝበዝሓ ገዳማትን ሃገረ ስብከታትን ንእዋናዊ ኣካይዳታት መንበረ ፓትርያርክ ብተደጋጋሚ ይዂንኦን ይዉግዝኦን ምህላወን ይንገር።
ብ13 ሰነ 2021 ዝተቓንዐ ሙሻምን ምቕባእን ሓሙሻይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ፣ ናይ ዓመጽን ጥልመትን ተግባር ምንባሩ – መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣመሪካ፡ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ’ቲ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ወቒሱ ነይሩ።
ሓምሻይ ፓትሪያርክ ኮይኖም ዝተሸሙ ኣቡነ ቄርሎስ፡ ነቶም ኣብ’ቲ እዋን እቲ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ንከባቢ 16 ዓመታት ዝሳቐዩ ዝነበሩ መንፈሳዊ ብጻዮም ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብምጥላም፡ መንበረ ስልጣን መንዚዖም ከምዘለዉ ዝወቐስ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፣ ኣቡነ ቄርሎስ ከምቶም ብተመሳሳሊ ኣገባብ መንበረ ስልጣን ዝመንዝዑ ራብዓይ ፓትሪያርክ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ፡ ዘይሕጋዊን ዘይቀኖናዊን ስልጣን ዝወሰዱ ካልኣይ ኣቡን ኮይኖም ከምዘለዉ ሓቢሩ እዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ንጥንታዊ ኣካይዳታትን ልምድታትን ሃይማኖታዉያን ትካላት ሃገርና ጨውዩ፡ መንፈሳዊዉያን መራሕቲ ከዉርድ፡ ኪኣስርን ባዕሉ ኪሸይምን ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ።